ሓዱሽ ርእቶ ይሃቡ

ወርሓዊ ዋጋ ምህርቲ ዕዳጋ ኢትዮጵያ 4 ነጥቢ 4 ቢሊዮን ቅርሺ በፂሑ

መቐለ ጥሪ 03/2010(ድወት) ትካል ምህርቲ ዕዳጋ ኢትዮጵያ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2010 ዓ.ም 4 ነጥቢ4 ቢልዮን ቅርሺ ዋጋ ዘውፅኡ 105ሽሕን 208 ቶን ምህርትታት ከምዘተዓዳደገ ገሊፁ።

እቲ ትካል ንኤፍቢሲ ኣብ ዝለኣኾ መግለፂ ከምዘፍለጦ ካብ ሓፈሻዊ ዕደጋ እዚ ወርሒ: ሰሊጥ 63ሚኢታዊ ብመጠን: 50 ሚኢታዊ ድማ ብዋጋ ዕደጋ መሪሕ ኮይኑ ኣሎ።

ዕደጋ ሰሊጥ ምስቲ ዝሓለፈ ወርሒ እንትነፃፀር ብዋጋ 17 ሚኢታዊ ብመጠን ድማ ብ24 ሚኢታዊ ወሰኽ ኣርእዩ እዩ።

ዋጋ ዕደጋ ምህርቲ ሰሊጥ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ካብ ዝተሸጠሉ ዋጋ ብ6 ሚኢታዊ ዕብየት ከምዘርኣየ እዉን ተገሊፁ።

ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ልዕሊ 29ሽሕ ቶን ቡን ብ2 ነጥቢ 05 ቢልዮን ቅርሺ ዕደጋ ዝተፈፀመ ኮይኑ እዚ ምስ ዝሓለፈ ወርሒ እንትነፃፀር ብ24 ሚኢታዊ ዋጋኡ ድማ ብ29 ሚኢታዊ ወሰኽ ከምዘመዝገበ ትካል ምህርቲ ዕዳጋ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ዋጋ ቡን ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ብ 3 ነጥቢ 7 ሚኢታዊ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ድማ ብ 4 ሚኢታዊ ወሰኽ ኣርእዩ ኣሎ።