ሓዱሽ ርእቶ ይሃቡ

ቁጠባ ኢትዮጵያ መሪሕነቱ ሒዙ ክቅፅል’ዩ ባንኪ ዓለም

መቐለ ጥሪ 03/2010(ድወት) ቁጠባ ኢትዮጵያ ኣብ ምብራቅ ኣፍሪካ መሪሕነቱ ሒዙ ከምዝቅፅል ባንኪ ዓለም ገሊፁ፡፡

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ባንኪ ዓለም ቁጠባ ኢትዮጵያ ዝተጠናከረ ዕቤት ማለት’ውን 8.2 ሚኢታዊ ዕቤት ከምዝዓብ’ዩ ኢሉ ኔሩ’ዩ፡፡

ምዕራብ ኣፍሪካዊት ሃገረ ጋና 8.3 ሚኢታዊ ቁጠባዊ ዕቤት ክተመዝግብ’ያ ዝብል ቅድመ ግምት ዘቀመጠ ባንኪ ዓለም ኢትዮጵያ ድማ ካብ ሃገራት ምብራቅ ኣፍሪካ በሊፃ ንጋና ድማ ስዒባ 8.2 ሚኢታዊ ቁጠባዊ ዕቤት ክተመዝግብ’ያ ኢሉ’ሎ፡፡

ቁጠባ ኬንያ ውሱን ምምሕያሽ ከርኢ ትፅቢት ዝግበር ኮይኑ ቁጠባ ታንዛንያ ድማ ብፍላይ ብዕቤት ኢንቨስትመንት ተጠናኺሩ ከምዝቅፅል ተገሊፁ፡፡

ብመሰረት’ዚ ኬንያ ብ5.5 ታንዛንያ፣ብ6.8 ዩጋንዳ፣ብ5.1 ርዋንዳ ብ5.9 ሚኢታዊ እንትዓብያ ኢትዮጵያ ብ8.2 ሚኢታዊ ብምዕባይ ኣብ ምብራቅ ኣፍሪካ መሪሕነታ ክተረጋግፅ’ያ ይብል እቲ ፀብፃብ፡፡