ሓዱሽ ርእቶ ይሃቡ

ስምምዕ ኢትዮጵያን ኖርወይን ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት

መቐለ ጥሪ 04/2010(ድወት) ኢትዮጵያን ኖርወይን ኣብ ጉዳይ ስደትን ኣተሓሕዛ ስደተኛታትን ዝያዳ ተቐራሪበን ንምስራሕ ተሰማሚዐን፡፡

ሚኒስትር ደኤታ ጉዳያት ወፃኢ ወ/ሮ ሂሩት ዘመነ ምስ ሚኒስትር ስደተኛታትን ውህደትን ኖርወይ ሲልቪ ሊስታውግን ዘትየን፡፡

ወ/ሮ ሂሩት ሽዑ ከምዝገለፅኡ ፍልሰት ደቂ ሰባት እዋናዊ ዛዕባ ዓለምና ከምዝኾነን እዚ ድማ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣሉታዊ ፅልዋ የሕድር ከምዘሎን ኣረዲአን፡፡

መንቀሊ እቲ ፀገም ምፍታሕ ከምዝግባእን ነዚ ድማ ብውድብ ሕቡራት መንግስታት፣ብሕብራት ኣፍሪካን ካልኦት ትካላትን ዝተፈላለዩ ኣንፈታት ብምቕራፅ ምንቅስቃስ ክግበር ከምዘለዎ ተዛሪበን፡፡

ኢትዮጵያ ስደተኛታት ብምቕባል ካብ ኣፍሪካ ኣብ ቅድሚት ከምእትስራዕ ዝገለፃ ወ/ሮ ሂሩት መሰል ስደተኛታት ከይጠሓስ ዘድሊ ቀረብ ንኽማላእ ዕድል ትምህርቲ ንክርኸቡን ኣብ ኢንቨስትመንት እታ ሃገር ዕድል ስራሕ ንክረኽቡ ኢትዮጵያ ብዕቱብ ትሰርሕ ከምዘላ ገሊፀን፡፡

ሚኒስትር ጉዳያት ስደተኛታትን ውህደትን ኖርወይ ሲልቪ ሊስታውግን ብወገነን ሃገረን ኣብ ጉዳይ ስደተኛታትን ኣተሓሕዛ ስደተኛታትን ምስ ኢትዮጵያ ብሓባር ንምስራሕ ድልውቲ ምዃና ኣረዲአን፡፡
ብፍላይ ዘይሕጋውያን ደለልቲ ንምቁፅፃርን ናብ ሕጊ ንምቕራብን ሓበራዊ ፃዕሪ ከምዘድሊ ከምዝተዛረበ ቤት ፅሕፈት ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ሃገርና ኣፍሊጡ፡፡