ሓዱሽ ርእቶ ይሃቡ

ደቡብ ኮርያ ኣብ ልዕሊ ሰሜን ኮርያ ዝተደንገገ ማዕቐብ ክተልዕል ብፍቃድ ኣሜሪካ እዩ- ዶናልድ ትራምፕ…

መቐለ 01 ጥቅምቲ 2011(ድወት) ደቡብ ኮርያ ኣብ ልዕሊ ሰሜን ኮርያ ተደንጊጉ ዝነበረ ማዕቐብ ክተልዕል እትኽእል ፍቃድ ኣሜሪካ እንትትረክብ ጥራሕ ምዃኑ ፕረዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ገሊፆም።

ኣብ 2010ዓ.ም ፈረንጂ ኣብ ዝጠሓለት ጀልባ ደቡብ ኮርያ ሰሜን ኮርያ ኢድ ኔርዋ ብዝብል መራኽብ ሰሜን ኮርያ ናብ ደቡብ ኮርያ ከይኣትዋ ኣብ ቱሪዝም ንግድን ካልኦት ምንቅስቓሳትን ዝነበረን ርክብ ደው ክብል ማዕቐብ ተደንጊጉ ፀኒሑ እዩ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ደቡብ ኮርያ ካንግ ካዩንግዋ ምስ እታ ኣብ 2016ዓ.ም ፈረንጂ 46 ሰባት ሒዛ ዝጠሓለት ጀልባ ተተሓሒዙ ሰሜን ኮርያ ብዕሊ ይቅሬታ እንትሓቲታ ተነቢሩላ ዝነበረ ማዕቐብ ክለዓል ከምዝኽእል ገሊፀን እየን።

ነዚ ስዒቡ ፕረዝደንት ትራምፕ ሰሜን ኮርያ ዝሓዘቶ ኒኩላራዊ ኣፅዋር ከየዕንወትን ኣሜሪካ ከይፈቀደትን ደቡብ ኮርያ ዘንበረቶ ማዕቐብ ገሊፆም።