ሓዱሽ ርእቶ ይሃቡ

ኻልኣይ ዙርያ ፎረም ቑጠባን ቢዝነስን ኣፍሪካ ቱርኪ ይካየድ ኣሎ…

መቐለ 01 ጥቅምቲ 2011(ድወት) ፕረዝደንት ዶክተር ሙላቱ ተሾመ ዝተረኸብሉ ካልኣይ ቱርኪ ኣፍሪካ ቢዝነስ ፎረም ኣብ ኢስታንቡል ይካየድ ኣሎ።

ኣብቲ ፎረም መኽፈቲ ስነ-ስርዓት መደረ ዘስምዑ ዶክተር ሙላቱ ነዊሕ ዕድመ ዘለዎ ርክብ ኣፍሪካን ቱርኪን ክልቲኣዊ ምጥንኻር እናዓበየ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ቱርኪ ኣብ ዓውደ ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ብቐዳማይ ካብ እትፅራሕ ሰለስተ ሃገራት ሓንቲ እንትትኸውን እዚ ድማ ካብ ክልቲኤን ሃገራት ዝጠንከረ ምዃኑ ዘመላኽት እዩ።

ብተወሳኺ እውን መንግስቲ ናይቲ ዓውዲ ተሳትፎ ንምዕባይን ዓቅሚ ኤክስፖርት ንምዕባይ ብዝለዓለ ኩነታት ህንፀት ኢንዳስትሪ ፓርክ ይሃንፅ ከምዘሎ ዶክተር ሙላቱ ተዛሪቦም።

ፕረዝደንት ቱርኪ ኤርዶጋን ብወገኖም ሃገሮም ምስ ኣፍሪካ ዘለዋ ርክብ ብብዙሕ ዓውድታት ኣጠናኺራ ከምትቕፅል ገሊፆም።