ሓዱሽ ርእቶ ይሃቡ

ውልቀ ሓበሬታ 29 ሚልዮን ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ገፅ ክምተበዝበዘ ፌስቡክ ገሊፁ።

መቐለ 03 ጥቅምቲ 2011(ድወት) እዚ ድማ ኣካል እቲ ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ምዃኑ ኩባንያ ፌስቡክ ኣብ ሰሙናዊ ፀብፃቡ ሓቢሩ ኣሎ።

እቲ ሓዱሽ ፀብፃብ ቅድሚ ሐዚ ካብ ዝነበረ በዝሒ ስርቂ ውልቀ ኣካውንት ዝተሓተ ምዃኑ እቲ ኩባንያ ኣፍሊጡ።

ሮውይተርስ ከምዝፀብፀቦ ቅድሚ ሐዚ ናይ 50 ሚልዮን ተጠቀምቲ ፌስቡክ ውልቀ ሓበሬተኦም ይስረቕ ነይሩ።

እቶም ዝስረቑ ሓበሬታት ውልቀ ምዃኖም ዝገለፀ ፌስቡክ፤ ካብ ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ንምድሓንን ተኣማንነት ዓማዊሉ ንምውሳኽ ይሰርሕ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።