ሓዱሽ ርእቶ ይሃቡ

ሕብረት ኣውሮፓ 100 ቢልዮን ዩሮ ስኢኑ

መቐለ 28 ጥቅምቲ 2011(ድምፂ ወያነ) ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ብሰንኪ ዝደንገጎም ማዕቀባት 100 ቢልዮን ዩሮ ከምዝሰኣነ ሩስያ ገሊፃ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ሩስያ ሰርገይ ላቭሮቭ ምስ ጋዜጣ ስፔን ኤል ፓያዝ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ንድጋፍ ኣሜሪካ ምስ ሃገራት ዝላተማ ሃገራት ኣውሮፓ ተሃሰይቲ ይኾና ከምዘለዋ ገሊፆም።

ኣብ መንጎ ኣሜሪካን ሩስያን ዘሎ ርክብ ካብ ዓዲ ጥዕና ዝረሓቀ ምኳኑ ዝሓበሩ ላቭሮቭ ብቀጥታዊ ትእዛዝ ኣሜሪካ ሃገራት ኣውሮፓ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ማዕቀባት ምድንጋገን ይዛረቡ።

ይኹን ምበር እዚ ብትእዛዝ ኣሜሪካ ዝተደንገገ ማዕቀብ ንሩስያ ዘይኮነስ ነተን ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣውሮፓ’ዩ ዋጋ ኣክፊልወን ይብሉ ላቭሮቭ ልዕሊ 100 ቢልዮን ዩሮ ከምዝሰኣና ብኣብነት ብምግላፅ።

ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ቁጠባ ሩስያ ዘነፃፀረን ክሳብ 2019ዓ.ም.ፈ ዝፀንሕን ማዕቀባት ኣብ ወርሒ ሓምለ ምድንጋጉ ይዝከር።RT News