ሓዱሽ ርእቶ ይሃቡ

ፕረዝደንት ሳህለወርቅ ዘውዴ-ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ…

መቐለ 28 ጥቅምቲ 2011(ድምፂ ወያነ) ፕረዝደንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣብ ዋዕላ ኢንቨስትመንት ኣፍሪካ ንምስታፍ ናብ ደቡብ ኣፍሪካ ኣምርሔን።

ኣብቲ ጉባኤ ዓለምለኻዊ ትካላት ፋይናንስን ኻልኦት ተዛመድቲ ስራሕቲ ዘለዎምን ኣካላት ክሳተፉ ድማ ትፅቢት ይግበር።

እቲ ጉባኤ ቐንዲ ኣማራፅታት ኢንቨስትመንት ኣፍሪካ ክድህስስ ትፅቢት ይግበር።

ካብ ሎሚ ጀሚሩ ንተኸታተልቲ ሰለስተ መዓልቲ ኣብ ዝፀንሕ እቲ ዘተ ኢትዮጵያ ዘለዋ ምችው ኣማራፂ ኢንቨስትመንት ከም ተመኩሮ ክተቕርብ ትፅቢት ከምዝግበር ቤት ፅሕፈት ኣቐባሊ ቃል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣፍሊጡ።

እተን ፕረዝደንት ኣብ ፃንሒተን ምስ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ደቡብ ኣፍሪካ ተራኺበን ከምዝዝትያ ድማ ካብቲ ቤት ፅሕፈት ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት።