ሓዱሽ ርእቶ ይሃቡ

ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንዘይረኸቡ ዜጋታታ ብሓይሊ ፀሓይ…

መቐለ 26 ለካቲት 2011(ድምፂ ወያነ) ቶጎ ቐረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንዘይረኸቡ ዜጋታታ ብሓይሊ ፀሓይ ዝሰርሕ ቴክኖሎጂ ሶላር ኢነርጂ ድጎማ ከም እትገብር ኣፍሊጣ::

ኣብታ ሃገር ሓይሊ ኤሌክትሪክ መሰረታዊ ድሌት ከም ምዃኑ መጠን 100 ሚኢታዊ ኤሌክትሪክ ንዜጋታቱ ከባፅሕ ይሰርሕ ምህላው ሚኒስትር ሓይሊ እታ ሃገር ማርክ ኣብሊ ቢዳሞን ገሊፆም::

ኣብ ኢንግሊዝ መበቆሉ ዝኾነ ቦክስ ዝተብሃለ ኩባንያ ድማ ተሓዳሲ ሃይሊ ኤሌክትሪክ እታ ሃገር ንምጥንኻር ከም ዝሰርሕ ኣረጋጊፁ::

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ልዕሊ 285000 ዓበይቲ ቴክኖሎጅታት ሶላር ኢነርጂ ኣብ ኣፍሪካ ከም ዝተሸጡ ተሓቢሩ ‘ሎ::