ሓዱሽ ርእቶ ይሃቡ

ኣቁሑት ኮንትራቦንድ ኣብ ቁፅፅር ውዒሉ

መቐለ 08 ሚያዝያ 2011(ድምፂ ወያነ) ልዕሊ 8 ነጥቢ 2 ሚልዮን ቅርሺ ዝግመት ኣቅሑት ንኮንትሮባንድ ክንቀሳቀስ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሉ።

ኣብ ዞባ ምዕራብ ኣርሲ ደዶሎ ኣብ ዝተብሃለ ወረዳ ዝተትሓዙ እዚ ፅዕነት ካብ ዞባ ባሌ ናብ ከተማ ሻሸመኔ ዝውሰድ ዝነበረ ምዃኑ ኮምሽን ጉምሩክ ጨንፈር ቤት ፅሕፈት ሃዋሳ ገሊፁ።

ምስዚ ገበን እዚ ተኣሳሲሩ ዝተጠርጠሩ ኣካላት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ምውዓሎም ናይቲ ጨንፈር ቤት ፅሕፈት ምክትል ሓላፊ ዝኾነ ኣይተ ኣዴስ ለማ ዝገለፁ ኾይኖም ኣብዚ ሕብረተሰብ ዝገበሮ ኣበርክቶ ድማ ንኢዶም።