ሓዱሽ ርእቶ ይሃቡ

ቻይና ንሃገራት ሩስያን ኣሜሪካን የዋጥጥ ኣብ ዘሎ ዛዕባ ኢዳ ኣይተአትውን

መቐለ 06 ግንቦት 2011(ድምፂ ወያነ) ቻይና ንሃገራት ሩስያን ኣሜሪካን የዋጥጥ ኣብ ዘሎ ዛዕባ ኒኩሌር ኢዳ ክተእትው ከምዘይትደሊ ገሊፃ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ቻይና ዋንግ ዪ ከምዝበልዎ ኣብዚ ሐዚ እዋን ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ጉዳይ ኒኩሌር ይዋጠጣ እኳ እንተሃለዋ ቻይና ኢዳ ኣእትያ ክትሽምግል ድሌት የብላን።

ዋንግ ዪ ነዚ ዝገለፁ ምስ ሩስያዊ መዘነኦም ሰርጌ ላቨሮቭ ድሕሪ ዘካየድዎ ዘተ እዩ።

ፕሬዝዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ምስ ምምዕባል ማእኸላይን ነዊሕ ርሕቐትን ዝጓዓዙ ሚሳይላት ሃገሮም ምስ ሩስያ ዝፈረመቶ ስምምዕነት ከምዘይቅበልዎ ድሕሪ ምግላፆም እተን ሃገራት ናብ ውጥጥ ምእታወን ይዝከር።