ሓዱሽ ርእቶ ይሃቡ

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ሶማልያ ሓዱሽ በረራ ጀሚሩ…

መቐለ 22 ሰነ 2011(ድምፂ ወያነ) መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ሶማልያ ከተማ ጋሮዌ ሓዱሽ በረራ ክጅምር እዩ።

እቲ መንገዲ ኣየር ናብ ዋና ከተማ ሶማልያ ሞቓድሾ ካብ ዘካይዶ በረራ ብተወሳኺ ናብ ከተማ ጋሮዌ ተወሳኺ በረራ ከምዝጅምር ድማ ዋና ፈፃሚ ስራሕ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣይተ ተወልደ ገብረማርያም ገሊፆም።

እቲ መንገዲ ኣየር ሐዚ ዝጀመሮ ሓዱሽ በረራ ኣብ መንጐ ኽልቲኤን ሃገራት ዘሎ ቑጠባዊ፣ ማሕበራዊን ፖለቲካውን ርክብ ብዝበለፀ ዘጠናኽር እዩ ተባሂሉ።

ከምኡ እውን ካብ ሃገራት ኣውሮፓ፣ ኣሜሪካ፣ ኤሽያን ካልኦት ሃገራት ዓለምን ዝርከቡ ዲያስፖራ ሶማልያውያን ብቐሊሉ ብኣዲስ ኣበባ ኣቢሎም ናብ ትውልዲ ዓዶም ንክጓዓዙ ዘኽእል እዩ።

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብዚ ሐዚ እዋን ልዕል 120 ዝኾኑ ዓለምለኸ በረራታት የካይድ ከምዘሎ ድማ ይፍለጥ።