ሓዱሽ ርእቶ ይሃቡ

ኣብ ወርሒ ሓምለ ካብ ንግዲ ወፃኢ 252 ነጥቢ 23 ሚልዮን ዶላር ተረኺቡ…

መቐለ 07 መስከረም 2012 ዓ.ም(ድምፂ ወያነ) ኣብ በጀት ዓመት 2012 ዓ/ም ወርሒ ሓምለ ካብ ንግዲ ወፃኢ 252 ነጥቢ 23 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ከምዝተረኸበ ተገሊፁ።

ኣብ ወርሒ ሓምለ ካብ ምህርትታት ሕርሻ ፣ ማኒፋክቸሪንግን ማዕድንን 252 ነጥቢ 19 ሚልዮን ዶላር ንምርካብ ተተሊሙ 252 ነጥቢ 23 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ዝተረኸበ ኾይኑ እዚ እውን ብሚኢታዊ እንትስላዕ 100 ነጥቢ 2 ምዃኑ ሚኒስቴር ንግድን ኢንዳስትሪን ኣብ ዘውፅኦ ሓበሬታ ኣመልኪቱ ኣሎ።

ኣብ ወርሒ ሓምለ ካብ ዝተትሓዘ ትልሚ ንላዕሊ ኣፈፃፅማ ዘመዝገቡ ምህርትታት ዕምበባ ፣ ኣቑሑ ኤሌክትሮኒክስ፣ እታወት ኬሚካልን ኮንስትራክሽንን ፣ኣታኽልትታት ፣ጫትን ቡንን ከምኡ እውን እኽልታትን ምዃኖም ተሓቢሩ።

ካብዚ ብተወሳኺ እውን ምህርትታት ጨርቃ ጨርቂን ኣልባሳትን ፣ እንስሳት ተፈጥራዊ ሙጫን ዕጣንን ምዃኖም ተመልኪቱ ኣሎ።

ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና በጀት ዓመት ዕዳጋ እዛ ሃገር ንምዕባይ ምህርትታት ወፃኢ ብፅሬት፣ ተወዳዳሪ ዋጋን ብዝድለ መጠን ናብ ዕዳጋ ዓለም ንምቕራብ ስርዓት ኣሰራርሓ ምዝርጋሕ ከም ዘድሊ እቲ ሚኒስቴር ገሊፁ እዩ።