ሓዱሽ ርእቶ ይሃቡ

ኣብ ዝሓለፈ 6ተ ኣዋርሕ ኣብ ዓውደ መዓድን ንልዕሊ 16 ሽሕ ወገናት ዕድል ስራሕ ተፈጢሩ ተባሂሉ….

መቐለ 16 መጋቢት 2012(ድወት) ኣብ ትግራይ ኣብ ቀዳማይ መንፈቕ ዓመት ጥራሕ ንልዕሊ 16 ሽሕ ወገናት ኣብ ዓውደ መዓድን ዕድል ስራሕ ከም ዝተፈጠረሎም ኤጀንሲ መዓድንን ኢነርጅን ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ፡፡

ኣብቲ ኤጀንሲ ዳሬይክተር ዳይሬክቶሬት ምሃብ ፍቓድ መዓድንን ምምሕዳርንን ኣይተ ፍስሃ መረሳ ንጋዜጣ መቓልሕ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ከም ዘረድኦ፤ ኣብ ትግራይ ንእታዎት ኢንዳስትሪ ዝውዕሉን ንኮንስትራክሽን ዘገልግሉን ዝኸበሩ መዓድናት ብስፍሓት ይርከቡ፡፡

ኣብዚ ዓውዲ ስራሕ ኣብ ቀዳማይ መንፈቕ እዚ ዓመት ጥራሕ 6,405 ደቂ ኣንስትዮ ዝርከብኦም ን16 ሽሕን 561 ወገናት ዕድል ስራሕ ድማ ተፈጢሩሎም እዩ፡፡

እዙይ ከምዙይ ኢሉ እናሃለወ ኣብ ስርዓት ምሕደራ መዓድን በቢእዋኑ ክትትልን ቁፅፅርን ብዘይ ምግባሩን ምኽንያት ብብርኪ ሃገር ኮነ ክልልና ዝተሓተ ረብሓ ከም ዝተመዝገበ ዝገለፁ ኣይተ ፍስሃ ኣብ 2006 ዓ.ም ኣስታት 20 ኩንታል ወርቂ ይርከብ ዝነበረ ኣብ 2011 ዓ.ም ግና ናብ ሓደ ነጥቢ ሓደ ኩንታል ምውራዱ ኣረዲኦም፡፡

ነዚ ቐንዲ ምኽንያት ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ካብ ሃገር እናወፀ ዝባኽነሉ ብሰንኪ ፀሊም ዕዳጋ እዩ፡፡ ነዚ ሃፍቲ ዝምልከቶም ኣካላት ኣመራርሓ ብዝግባእ ብምምራሕ ሸርፊ ወፃኢ ሃገርን ክልልናን ካብ ምኽዕባት ሓሊፉ ኣብ ምፍጣር ዕድል ስራሕ ዜጋታትና ’ውን ተረባሕቲ ክገብር ከም ዝኽእል