ሓዱሽ ርእቶ ይሃቡ

ደረጃ ትምህርቲ መምሃራን ኣብ ምዕባይ ውፅኢታዊ ስራሕቲ ተሰሪሖም

መቐለ ሰነ 10/2009(ድወት) መምሃራን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ልዕሊ 2ይ ዲግርን ልዕሊኡን ደረጃ ትምህርቲ ክህልዎም ንምግባር ዝተሰርሑ ስራሕቲ ጭቡጥ ውፅኢት ከምዘመዝገቡ ሚኒስቴር ትምህርቲ ኣፍሊጡ።

ቑፅሪ 2ይ ዲግርን ልዕሊኡን ዘለዎም መምሃራን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ 25ሽሕ ከምዝበፅሐን እዚ ኣሃዝ ኣብ 2012ዓ.ም 33ሽሕ ንምብፃሐ ከምዝተተለመን ሚኒስትር ዲኤታ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ እቲ ሚኒስቴር ኣይተ ሳሙኤል ክፍሌ ሓቢሮም።

ኣብዚ ዓመት ልዕሊ 6ሽሕን 200 መምሃራን 2ይን 3ይን ዲግሪ ትምህርቶም ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ክከታተሉ ዝተገበረ ኾይኑ ፅሬት ትምህርቲ ንምምሕያሽ ልምዓት መምሃራን ወፃኒ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ኣብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ፅሬት ትምርቲ ንምምሕያሽ ፓኬጃት መረጋገፂ ፅሬት ተግባራዊ ንምግባር፣ ዓቕሚ መምሃራንን ኣመራርሓን ንምዕባይን ስርዓት ኣወሃህባ ትምህርቲ ክመሓየሽን ይስርሑ ከምዘለ’ውን ገሊፆም።

እዚ አብ ቐፃሊ ናብ ኢንዳስትሪ ዝመርሖ ቑጠባ ኣብ ዝግበር ስግግር ብቑዕ ሓይሊ ሰብ ንምፍራይ ወሳኒ ከምዝኾነ ኣይተ ሳሙኤል ሓቢሮም።

ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ንመንግስቲ ብዝተበፅሑ ስምምዓት ካብ ሃገራት ቻይና፣ ሩሲያ፣ ቱርኪ፣ ህንዲ፣ ሃንጋሪን አውስትራሊያን ልዕሊ 260 ስልጠና 2ይን 3ይን ዲግሪ ከምዝተረኸበ አፍሊጦም። (ግዜኢ)