ሓዱሽ ርእቶ ይሃቡ

ኢንዳስትሪ መስፍን ማእኸል ግልጋሎት ፅገና ኣውቶሞቢል ኣመሪቑ

መቐለ ሰነ 10/2009(ድወት) ኢትዮጵያ ናብ ኢንዳስትሪያላዊ ክፍለ ኢኮኖሚ ንምስግጋር ትገብሮ ፃዕሪ ንምቅልጣፍ እጃሙ ከምዘበርክት ኩባኒያ ኢንዳስትሪያል ኢንጅነሪንግ መስፍን ገሊፁ።

እቲ ኩባኒያ ሎመዓንቲ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ 4ይ ማእኸል ኣገልግሎት ፅገና ድሕረ መሸጣ ኣውቶሞቢል ኣመሪቑ።

ኣካያዲ ስራሕ እቲ ኩባኒያ ኣይተ ሃፍቱ ሓዱሽ ኩባኒያ ኢንዳስትሪያል ኢንጅነሪንግ መስፍን ሃገርና ኢንዳስትሪ ናብ ዝመርሖ ቑጠባ ንምስግጋር ትገብሮ ጉዕዞ ንምቅልጣፍ ትኹረት ሂቡ ክሰርሕ’ዩ ኢሎም።

ካብ ካልኦት ተሞክሮን ልምድን ብምውስድ ንዝተፈላለዩ ምህርታት ሓፂነ መፂን ንዕዳጋ ውሽጢ ዓዲ ብምቕራብ ሸርፊ ወፃኢ የድሕን ከምዘሎ ሓቢሮም።

ካብዚ ብዝሰገረ ንፋብሪካታት ሽኮር፣ ሓፂነ መፂን፣ ስሚንቶ፣ ሓይሊ ኤሌክትሪክን ካልኦትን ዝውዕሉ ጥረ ኣቑሑ ብምፍራይ ሃገራዊ ዓቕሚ ይሃንፅ ከምዘሎ ኣመልኪቶም።

ኣብቶም ዝቕፅሉ 2ተ ዓመታት ካብ ወፃኢ ብምምፃእ ዝገጣጥሞም ተሽከርከርቲ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ንምፍራይ ከምዝተለመ ተዛሪቦም።

ኩባኒያ ኢንዳስትሪያል ኢንጅነሪንግ መስፍን ምስ ኩባኒያ መፍረዪ መኪና ፔጆ ብሓባር ኣብ ስራሕቲ ምግጥጥም ተሽከርከርቲ ይነጥፍ ከምዘሎ ይፍለጥ። (ግዜኢ)