ሓዱሽ ርእቶ ይሃቡ

ፕረዝደንት ፈረንሳይ ኣማኑኤል ማክሮን 34ሚልዮን ዶላር መዲቦም…

መቐለ ሰነ 11/2009(ድወት) ሓዱሽ ተመራፂ ፕረዝደንት ፈረንሳይ ኣማኑኤል ማክሮን ለውጢ ኹነታት ኣየር ዓለም ንምክልኻል ሓጋዚ ዝበልዎ 34ሚልዮን ዶላር ኣብቲ ዓውዲ ስራሕቲ ምርምር ንዘካይዱ ሰብ ሞያ ከምዝመደቡ ገሊፆም።

ለውጢ ኹነታት ኣየር ንምክልኻል ብቐንዲ ውፍይነት መራሕቲ ዓለም ይሓትት ዝበሉ ማክሮን ማሕበረሰብ ዓለም ሳዕቤን እቲ ሓደጋ ብምግንዛብ ዓለምና ውሕስቲ ንምግባር ክረባረብ ሓቲቶም።

ማክሮን ኣብ እዋን ጓስጓስ መረፃ ዝኣተዉዎ ቃል ብተግባር የመስክሩ ኣለዉ ዝበሉ ፀብፃባት እቲ ዝተመደበ ገንዘብ ኣብ ምክልኻል ለውጢ ኹነታት ኣየር ንዝንቐሳቐሱ 50 ተመራመርቲ ሓገዝ ከምዝውዕል ድማ ተገሊፁ።

ውሳነ ፕረዝዳንት ኣማኑኤል ማክሮን ዕላዊ ዝኾነ ፕረዝዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣሜሪካ ካብ ስምምዕነት ለውጢ ኹነታት ኣየር ፓሪስ ምውፃኣ ስዒቡ ብምዃኑ ንተግባር ትራምፕ ዝነቕፍ እዩ ክብሉ ደማ ተዓዘብቲ ይገልፁ።(ወርልድ ቡለቲን)