ሓዱሽ ርእቶ ይሃቡ

ፕረዝደንት ሩዋንዳ ፓውል ካጋሚ ንሳልሳይ ግዜ ንፕረዝዳንትነት ክናሓንሑ እዮም…

መቐለ ሰነ 11/2009(ድወት) ፕረዝደንት ሩዋንዳ ፓውል ካጋሚ ኣብ ዝመፅእ ወርሒ ነሓሰ ኣብታ ሃገር ኣብዝካየድ ፕረዝዳንታዊ መረፃ ንሳልሳይ ግዜ ተናሓናሒ ኾይኖም ከምዝቐርቡ ተገሊፁ።

ወርልድ ቡለቲን ከምዝሓበሮ ግንባር ሓርበኛታት ሩዋንዳ ብዝብል ዝፍለጥ ውድቦም ንዝሓለፉ 14 ዓመታት ኣብ ሩዋንዳ ስልጣን ሒዙ ዝፀንሐ ኮይኑ ኣብ ዝመፅእ ወርሒ ነሓሰ ኣብዝካየድ ፕረዝዳንታዊ መረፃ ንሳልሳይ ግዜ ክናሓንሑ ብሕፁይነት ከምዘቕረቦም ገሊፁ።

ኣብዝመፅእ 4 ነሓሰ 2017ዓ.ም ፈረንጂ ኣብታ ሃገር ንዝካየድ ፕረዝዳንታዊ መረፃ ብሕፁይነት ንክቐርቡ ካብ 1ሽሕን 930 1ሽሕን 929 ድጋፍ ዝረኸቡ ፕረዝደንት ፓውል ካጋሚ ኣብታ ሃገር ኣብቶም ዝሓለፉ 14 ዓመታት ዘመዝገብዎ ለውጥታት ንክቕፅሉ ዝለዓለ ግምት ተዋሂብዎም ኣሎ።

ካብ 2000ዓ.ም ፈረንጂ ጀሚሩ ስልጣን ዝጨበጡ ፓውል ካጋሚ ሐዚ ንሳልሳይ ግዜ ኣብታ ሃገር ኣብዝካየድ ፕረዝዳንታዊ መረፃ ብሕፁይነት ንክቐርቡ ዕድል ዝረኸቡ ኣብ 2015ዓ.ም ፈረንጂ ሕገ-መንግስቲ እታ ሃገር ብምምሕያሹ እዩ።(ወርልድ ቡለቲን)