ሓዱሽ ርእቶ ይሃቡ

ጎጉል 10 ሚልዮን ኣፍሪካውያን ከሰልጥን’ዩ

መቐለ ሓምለ 21/2009(ድወት)ኩባንያ ጎግል ኣብቶም ዝቕፅሉ 5ተ ዓመታት ን10ሚሊዮን ኣፍሪካውያን ብቀጥታ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ስልጠና ክረኽቡ ከምዝገብር ኣፍሊጡ።

እዚ ኩባኒያ ኣብ ሃገራት ናይጀሪያ፣ ኬኒያን ደቡብ ኣፍሪካን ዝርከቡ 100ሽሕ ኣማዕበልቲ ሶፍትዌር ከሰልጥን’ውን ትፅቢት ይግበር።

እቲ ብቀጥታ ኣገልግሎት ኢንተርኔትን በኣካልን ዝወሃብ ስልጠና መናእሰይ ኣፍሪካ ንዝተፈላለዩ ዕድላት ስራሕ ክዳለው ዝሕግዝ’ዩ።

ካብዚኦም እተን 40ሚኢታዊ ደቂ ኣንስትዮ ኾይነን ኣፍሪካ እናዓበየ ይመፅእ ዘሎ በዝሒ ህዝባን ተጠቃማይ ዘመናዊ ሞባይል ስልክን ምኽንያት ብምግባር እቲ ብኢንተርኔት ዝወሃብ ስልጠና ዕውት ክኸውን ከምዝሕግዝ’ውን ሓቢሩ። (ሮይተርስ)