ቁጠባ ፈረንሳይ ዕብየት ኣመዝጊቡ ተባሂሉ።

መቐለ መስከረም 27/2010(ድወት) ቁጠባ ፈረንሳይ ድሕሪ 6 ዓመታት ንፈላማ እዋን ዕብየት ከም ዘርኣየ ተገሊፁ።

ኣብ ዞባ ኣውሮፓ ካልኣይ ዝዓበየ ቁጠባ ዘለዋ ፈረንሳይ፤ካብ 2011 ዓመተ ፈረንጂ ናብዚ ዝሒሉ ዝፀንሐ ቁጠብኣ ኣብዚ ዓመት ብ1.8 ሚኢታዊ ዕብየት ከም ዘርኣየ ተገሊፁ።

ማእከል ስታስቲክስ ፈረንሳይ ከም ዝሓበሮ ኣብታ ሃገር ምንቅስቃስ ኢንቨስትመንት ክውስኽ ምክኣሉ፤ንዕብየት ቁጠባ እታ ሃገር ቀንዲ ምክንያት ምዃኑ ተሓቢሩ።

በዚ ድማ ኣብ 2016 ዓመተ ፈረንጂ ዝነበረ መጠን ስእነት ስራሕ እታ ሃገር ካብ 10 ምኢታዊ ናብ 9.4 ምኢታዊ ክወርድ ክኢሉ እዩ።

ፈረንሳይ ሓፈሻዊ ቁጠብኣ ምዕባዩ ስዒቡ፤ሰነድ እትገብሮምን ካብ ደገ እተምፅኦምን ኣቁሑት እውን ካብ ዝነበሮም ዕበየት ከርኢ ምኽኣሉ ማዕኸን ዜና ግሎባል ታይምስ ፀብፂቡ።(ኣልጀዚራ)