ንነዊሕ ስዓት ኮፍ ኢልካ ምስራሕ ንሕማም ዓይንን ልብን ከም ዘሳጥሕ ተገሊፁ!

23/04/2010 ኣብ ሓደ ቦታ ብዘይምንቅስቓስ ንልዕሊ 6 ስዓታት ኮፍ ኢልካ ምስራሕ ኣብ ጥዕናና ብዙሓት ጉድኣታት የስዕብ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘበንን ቴክኖሎጅን ዝወለዶም መብዛሕቲኦም ስራሕቲ ናብ ጠሬቤዛ እናመፁ ሰባት እዉን ብኡ ልክዕ ኮፍ ኢሎም ብዘይምንቅስቓስ ናብ ምሰራሕ እናኣተዉ እዮም።
ይኹን ድኣምበር ኣብ ሓደ ወንበር ንነዊሕ ስዓት ኮፍ ኢልካ ምስራሕ ዘስዕቦ ጉድኣት ግና መብዛሕቲና ኣይንፈልጦን።
ሰብ ሞያ ጥዕና ግን ነዊሕ ስዓት ኣብ ሓደ ቦታ ኮፍ ምባል ኣብ ጥዕናና ዝልዓለ ጉድኣት እናብፀሐ እዩ ክብሉ ኣጠንቂቆም ኣለዉ።
ኣብ ማዕልቲ ብንእሱ ን6ተ ሰዓታት ኮፍ ኢልና እንሰርሕ እንተድኣ ኮይንና ንሕማም ልቢ ናይ ምስጣሕ ዕድልና ብዕፅፊ ከም ዝወስኽ ዉን ተናጊሮም እዮም።
ከምኡ ድማ መብዛሐቲኡ ግዘ ምስ ኮምፒተር ግዘና ነሕልፍ እንተድኣ ኮይንና ንሕማም ዓይኒ ናይ ምስጣሕ ዕድልና 40% ዝዉስኽ እንትኸዉን ናይ ሰብነትና ኢንሱሊን ናይ ምፅዋር ዓቕሙ ንክዉስኽ ብምግባር ንሕማም ኣእሙሮ ክንሳጣሕ ይገብር እዩ ኢሎም ኣሎዉ።
ንነዊሕ ሰዓት ኮፍ ኢልና ብምስራሕና ንሕማም ልቢ ከመይ ክንሳጣሕ ንኽእል?
ጉድኣቱ ከ እንታይ እዩ?
ነዊሕ ስዓት ኮፍ ኢልና ነሕልፍ እንተድኣ ኮይነና መጠን ዉቂዒት ልብና እናቀነሰ ንክኸይድ ይገብር እዩ ይብሉ ተመራመርቲ።
እዚ ድማ ንጥዕናና ጎዳኢ ዝኾነ ናይ ኢንሱሊን መከላኸሊ ዓቕሚ ንክህልወና ይገብር እዩ ኢሎም።
እዚ ጉድኣት ንምቕናስ ከ እንታይ ክነገብር ይግባእ?
ብዝረኸብናዮ ኣጋጣሚ ጠጠው ምባል
ናይ እግሪ ጉዕዞ ምግባር
ኩሉግዘ ኣካለዊ ምንቅስቓስ ምዝዉታር
ነዊሕ ስዓት ኮፍ ኢልና ብምስራሕና ኣብ ጥዕና ዓይንና ከመይ ጉደኣት የብፅሕ?
ንነዊሕ ሰዓት ኮፍ ኢልና ንክንሰርሕ ምኽያት ካብ ዝኾኑ እቲ ሓደን ቀንድን ኮምፒተር እዩ ይብሉ ሰብ ሞያ ጥዕና።
ብዘይ ምዕራፍ ን4ተ ስዓትን ልዕሌኡን ኣብ ሓደ ቦታ ኮፍ ኢልና ኮምፒተር ኣብ እንጥቀመሉ ስዓት ካብቲ ኮምፒተር ዘወፅእ ‘ኣልተራ ቫዮሊት’ ዝተብሃለ ጨረር ኣብ ዓይንና ዘብፅሖ ጉድኣት ዝልዓለ ከም ዝኾነ ዉን ይገልፁ።
እዚ ግድኣት እዚ ኸ ከመይ ኣቢልና ንክቕንስ ክንገብሮ ንኽእል?
ናይ ምርኣይ ዕረፍቲ ምግባር፦ ካብ 20-30 ደቒቓ ኣፈላላይ ምርኢትና ወይክዓ ምልከታና ካብ ኮምፒተር ብምልዓል ካሊእ ነገር እናርአና ዕረፍቲ ክንገብር ይግባእ።
በቢግዜኡ ሕክምና ዓይኒ ምግባር፦ ዋላ ድኣ ዓይንና ብዝግባእ እንተርኣናሉ እንተንኣሰ ኣብ 2 ዓመት ሓደ ግዘ ናይ ዓይኒ ምርመራ ክንገብር ይግበአና።
ከም ኣበሃህላ እቶም ሰብ ሞያ ጥዕና ንነዊሕ ስዓት ኮፍ ኢልካ ምስራሕ ካብዞም ጉድኣታት እዚኦም ብተወሳኺ ኣብ መቀመጫናን ኣብ ሕቆናን ከምኡ ዉን ኣብ ካልኦት ናይ ሰዉነትና ክፋላት ናይ ቅርፂ ምዝባዕ የስዕብ እዩ።
ሰለዚ ድማ ብዝተኽኣለና መጠን ኣብ ሰራሕትና ዉሽጢ ዕረፍቲ ምግባርን በቢግዜኡ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምግባርን ፅቡቕ ከም ዘኾነ እዮም እቶም ሰብ ሞያታት ገሊፆም ዘለዉ።
ፍልፍል፦ Daily mail.com