ጣብያ ማይ ዓይኒ ተመሪቓ…

መቐለ ጥሪ 03/2010(ድወት) ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ፀለምቲ ትርከብ ጣብያ ማይ ዓይኒ ካብ ጐዳእቲ ልማዳዊ ተግባራት ነፃ ብምዃን ተመሪቓ።

ጣብያ ማይ ዓይኒ ኣብ ወረዳ ፀለምቲ ካብ ዝርከባ 25 ጣብያታት ሓንቲ ኾይና ቅድም ክብል መርዓ ትሕቲ ዕድመ ኣብ ገዛ ወሊድ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍፀም መጥቓዕቲ ጥንቆላ ልዕሊ ዓቐን ድግስን ዝኣመሰሉ ጐዳእቲ ልማዳዊ ተግባራትን ብስፍሓት ዝረኣዩላ ጣብያ እያ ነይራ።

ይኹን እምበር ነበርትን ኣካላት ኣመራርሓን ብዘካየድዎ ዝተዋደደ ምርብራብ እቶም ጐዳእቲ ልማዳዊ ተግባራት ክውገዱ ከምዝኸኣሉ ምኽትል ኣማሓዳሪ እታ ጣብያ ኣይተ ኣዘናው ተሸመ ገሊፆም።

ብምዃኑ እውን እታ ጣብያ ካብ ጐዳእቲ ልማዳዊ ተግባራት ነፃ ብምዃን እንትትምረቐ ካብ ሽዱሽተ ጣብያታት ወረዳ ፀለምቲ ዝመፁ ኣካላት ኣመራርሓን ወከልቲ ህዝብን ኣብታ ጣብያ ዘሎ ቡሉፅ ተሞክሮ ክዕዘቡ ተጌሩ እዩ።

ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ወረዳ ፀለምቲ መምህር ለታይ በርሀ እታ ጣብያ ኣብ ምውጋድ ልማዳዊ ተግባራት ዘመዝገበቶ ለውጢ ንኻልኦት ጣብያታት እታ ወረዳ ብመርኣያነት ዝጥቀስ ከምዝኾነ ብምግላፅ ዝተመዝገበ ለውጢ ንድሕሪት ከይምለስ ዝተዋደደ ሓገዝን ቑፅፅርን ከምዘድሊ ተዛሪበን።