ዋዕላ ቢዝነስ ኢትዮጵያ ኣብ ጃፓን…

መቐለ ጥሪ 29/2010(ድወት) ዋዕላ ቢዝነስን ኢንቨስትመንትን ኢትዮጵያ ኣብ ጃፓን ከተማታት ኮቤን ናጎያን ተጀሚሩ።

እቲ ሎሚ ዝተጀመረ ዋዕላ ቢዝነስን ኢንቨስትመንትን ክሳብ ፅባሕ ረቡዕ ዝቕፅል ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።

ብሚኒስትር ዲኤታ ጉዳያት ወፃኢ ዶክተር ኣክሊሉ ሃይለሚካኤል ዝምለስ ጉጅለ ልኡኽ ዲፕሎማሲ ቢዝነስ ኢትዮጵያ ድማ ኣብቲ ዋዕላ እናተሳተፈ ይርከብ።

እቲ ጉጅለ ልኡኽ ቅድሚ ምጅማር እቲ ዋዕላ ትማሊ ኣብ ጃፓን ኦሳካ ኣብዝርከብ ኩባንያ መድሓኒት ሮሆቶ ዑደት ኣካይዱ ምስ ፈፀምቲ ስራሕ እቲ ኩባንያ ድማ ብዛዕባ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ዕድላትን ኣማራፅታትን ኢንቨስትመንት ዘትዩ።

ሚኒስትር ዲኤታ ጉዳያት ወፃኢ ዶክተር ኣክሊሉ ኣብቲ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ዝለዓለ መጠን ዘለዎ ኣፍርዩ ሓይሊ ብተመጣጣኒ ዋጋ ከምዝርከብ ተዛሪቦም።

ብተወሳኺ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ፖለቲካዊ ምርግጋዕ ተመራፂት ቐጥታዊ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ክትኸውን ከምዘኽኣላ ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት።

ኢትዮጵያ ዝተሳተፈትሉ ምርኢት ንግድን ኢንቨስትመንትን ኣብ ኩዌት ከምዝተኻየደ እውን ቤት ፅሕፈት ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣፍሊጡ።