ኻልኣይ ዙርያ ግጥማት ፕሪመየር ሊግ ኢትዮጵያ መፃኢ ቐዳም ክጅመር እዩ።

መቐለ መጋቢት 12/2010(ድወት) ብመሰረት እዚ ኣብቲ ሊግ ምስ ጅማ ኣባጅፋር ብማዕረ 25 ነጥቢ ብሽቶ ተበሊፃ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ትርከብ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ከተማ መቐለ መፃኢ ቐዳም ኣብ ስታድዮም ትግራይ ስዓት 9 ድሕሪ ቐትሪ ምስ ኣርባምንጭ ክትራኸብ እያ።

ኣብቲ ፀዋታ ብወገን ጋንታ ከተማ መቐለ ጋቶቻ ፓኖሞ፣ ኣሌክስ ተሰማ፣ ብመጉዳእቲ ኣይስለፋን።

ብተመሳሳሊ ኣመለ ሚልኪያስ ብሓሙሽተ ብጫ ካርዲ ብመቕፃዕቲ ሓደ ፀዋታ ኣይስለፍን።

ብ16 ነጥቢ ኣብ ፕሪመየር ሊግ ኢትዮጵያ ኣብ መበል 12 ደረጃ ተሰሪዓ ትርከብ ወልዋሎ ዩንቨርስቲ ዓዲግራት ብወገና መፃኢ ቐዳም ኣብ ስታድዮም ኣዲስ ኣበባ ምስ ፋሲል ስዓት 9 ክትራኸብ እያ።

ኣብቲ ፀዋታ ብወገን ጋንታ ወልዋሎ ዩንቨርስቲ ዓዲግራት ሓላዊ ማፅዖ እታ ጋንታ በረከት ኣማረ ኣብ ኣፍንጭኡ ብዝበፅሖ ቅልል ዝበለ መጉዳእቲ ከምዘይስለፍ ተገሊፁ።