ነባር ክብረ ወሰን ዓለም ቀሰተ ደመና ተሰይሩ።

12/07/2010 ብበዝሒ ሕብርታት ዝወቀበ ኣብ ሰማይ ታይዋን ዝተዘርግሐ ቀሰተ ደመና ነዊሕ ግዘ ብምፅንሑ ክብረወሰን ዓለም ሰይሩ ኣሎ።እዚ ቀሰተ ደመና 30 ሕዳር 2017 ከም ኣቆፃፅራ ፈረንጂ ኣብ ታይዋን ፈሉይ ቦታ ዪኒቨርሲቲ ቻይንዝ ባህሊ ጥቓ ታይፐይ ዝተረኣየ እንትኾን ብማሕበረሰብ እቲ ዩኒቨርሲቲ ግቡእ ክትትል ይግበረሉ ፀኒሑ።ፕሮፌሰር ሳይነስ እቲ ዩኒቨርሲቲ ቹ ኩን-ህሳን እቲ ሓድጊ ሰማይ ካብ ዝወፀሉ እዋን ኣትሒዙ ይከታተሎ ከም ዝነበረን ብፍላይ ብብረኪ ዓለም ዝተተሓዘ ክብረወሰን ክንደይ ከም ዝኾነ ይፈልጦ ስለ ዝነበረ ነቲ ክብረወሰን እንትሰብሮ ድራር ይድረር ከም ዝነበረን ብጣዕሚ ከም ዝተሓጎሰን ይገልፅ።እቲ ፕሮፌሰር ኣስዕብ ኣቢሉ “እዚ ካብ ሰማይ ዝተወሃበ ፍሉይ ህያብ እዩ።ብበዝሒ ዘይርከብ እዩ።” ብምባል ናእድኡ ይገልፅ።
እዚ ቀስተ ደመና ዝፀንሓሉ ንውሓት ግዘ 8 ሰዓትን 58 ደቓይቅን እዩ።ቅድሚኡ ተታሒዙ ዝነበረ ክብረ ወሰን አብ 14 መጋቢት 1994 ዓ.ም.ፈ ኣብ ወይዘርባይ ዮርክሺረ እንግሊዝ ኮይኑ ዝፀንሓሉ ንውሓት ጊዜ ከዓ 6 ሰዓት ነይሩ።እዚ ኣብ ታይዋን ቻይና ንብዙሓት ሰዓታት ዝፀንሐ ቀስተ ደመና ብፕሮፌሰራት ዩኒቨርሲቲ ቻይንዝ ባህሊ ናብ መዘገብ ክብረወሰን ዓለም ክኣትው ብዝገበርዎ ፃዕሪ ነቲ ነባር ክብረወሰን ሰይሩ ተመዝጉቡ ኣሎ።
ፍልፍል ሓበሬታ ድረገፃት UPI,Huffingtonpost ነይሮም። (ማሙዬ ነጋሽ@ድወት)