ገለ ነጥብታት ዶክተር ደብረፅዮን ኣብ ኮንፈረንስ
22/07/2010
መእተዊ
ካብ ዕለት 19 መጋቢት ጀሚሩ ኣብ ከተማ መቐለ ኮንፈረንስ ሰላም፣ ልምዓትን ዲሞክራስን ዝብል ስያመ ዝተውሃቦ ዋዕላ ይካየድ ኣሎ። ሎሚ መዓልቲ ድማ ራብዓይ መዓልቱ ሒዙ ኣሎ። ክሳብ ትማሊ ኣብ ዝነበረ መርሃ ግብሪ ሰነድ ቐሪቡ ኣብቲ ሰነድ ተመርኵሱ ድማ ካብ ህዝቢ ርእይቶታትን ሕቶታትን ተዋሂቡ እዩ። ብፍላይ ሃገራዊ ኩነታት ኣብ ትሕቲ ዝብል ሓደ ነጥቢ ካብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ትግራይን መላእ ሃገርን ካብ ዝመፅኡ ኣካላት ንዝቐረቡ ርእይቶታትን ሕቶታትን ኣቦወንበር ህወሓት ዶክተር ደብረፅዮን ዝሃብዎ ምላሽን መብርህን መርኣዩ ክኸውን ዝኽእል ነጥብታት ኣልዒልካ ከምዚ ዝስዕብ ምቕራብ ይከኣል።
“ዘይተሰርሐ የለን። እዚ ግን ዘይጎደለ የለን ማለት ኣይኮነን”
ኣብ መብዛሕትኡ ርእይቶታት ከምዝተልዓለ ኣብ ትግራይ ኮነ ኣብ መላእ ሃገር ኣብቶም ወሰንቲ ናይ ልምዓት ዓውድታት ዘይተሰርሐ የለን። ኣብ መሰረተ ልምዓት ማይ፣ መንገዲ፣ መብራህቲ፤ ኣብ ማሕበራዊ ልምዓት ትምህርቲን ጥዕናን፣ ኣብ ተጠቃምነት መናእሰይ ከተማን ገፀርን፣ ኣብ ህንፀት ፍትሕን ዲሞክራስያዊ ስርዓትን፣ ኣብ ፍትሕን ፀጥታን፣ ኣብ ሃገራዊ ሓድነትን ፖሊስታት ወፃኢ ጉዳያትን ወዘተ ብርክት ዝበሉ ስርሓቲ ከምዝተሰርሑ ብዝተፈላለዩ ኣካላት ተላዒሉ። ዶክተር ደብረፅዮን እውን እዚ ትኽክል ምዃኑ ኣረጋጊፆም።
ኮይኑ ግና ማዕረ ማዕረ እቲዝተመዝገበረ ከም ኣገላልፃ ዶክተር ደብረፅዮን “ዓለም እውን ክቐንኣሉ ዝጀመረ ዘህርፍ” ልምዓት ሕዚ እውን ዘይተሰገሩ ንጉዕዞ ህዳሰ እዛ ዓዲ ሓሊኹ ዝሓዘ ብዙሕ ፀገም ከምዘሎ ኣነፂሮም። “ሰሪሕና ኢና ኢልካ ዘየጃህር እዩ” ብምባል እውን ይገልፅዎ። ስለዚ ሕዚ ከም ኣመራርሓ ኢህወደግ እውን ዝተሰማመዓሉ ዝተኾለፈ ናይ ህዳሰ ጉዕዞ ብዝሓሸ መንፈስ ክልዓዓል ምግባር ካብኡ ድማ ህዝቢ ተረባሓይ ዝኾነሉ ባይታ ምፍጣር ኣገዳሲ እዩ።
“ስራሕና ብዘይምስራሕና ዝተፈጠረ ፀገም እዩ”
ብርክት ዝበለ ብፍላይ ካብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ትግራይ ዝመፀ ተወካሊ ዘልዓሎ ሓደ ዓብዪ ሕቶ ሃገር ኣብ ጥቓ ምፍራስ ዝበፅሓትሉ ምኽንያት እንታይ እዩ ዝብል እዩ። እዚኣ ብቐጥታ ዝመለሱ ዶክተርደብረፅዮን “ኣመራርሓ ኢህወደግ ስርሑ ብዘይምስርሑ ዝተፈጠረ ፀገም” ኢሎምዎ ኣለዉ። እዚ እንተብርሁ ድማ ጥፍኣት ኢትዮጵያ ተመንዮም ደው ኢሎም ኣብ ዝሓድሩ ፀላእቲዘላ ሃገር እያ ኢትዮጵያ። በዚ መሰረት ናይቲ ኣመራርሓ ድኽመት ዝፈጥሮ ሰፊሕ በሪ ተጠቒሞም ኣትዮምከም ድላዮም እንትገብሩ ኢና ርኢና ኢሎም። በዚመሰረት እቲ ቀንዲ ምኽንያት እቲ ኣብ ኣመራርሓ ዘሎ ፀገም ስለዝኾነ እቲ መፍትሒኡ ኣመራርሓና ጥዕና ዘለዎ ምግባር እዩ ብምባልመሊሶም። ኣብ ዘረብኦም እውን “እቲ ናይ ጥፍኣት ሓይሊ ካብ ደገ ዝመፀ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ውሽጥና እውን እናገበለ ዝመፅአ ፅግዕተኛ ሓይሊ ዝፈጠሮ ፀገም እዩ” ብምባል የብርሁ።
“ዓብዪ ግፍዒ እዩ ተፈፂሙ፤ ዝሕባእ ኣይኮነን”
እቲ ኣብልዕሊ ተጋሩ ዘጋጠመ ዘርኢ ዝፈለየ ተፃብኦታት ዳርጋ ኩሉ ዕድል ዝተውሃቦ ኣካል ዝተዛረቦ፤ “ብስሩ ውሕስና እዚ ህዝቢ እንታይ እዩ?” ክሳብ ምባል ብዝበፅሕ ኣገላልፃ ዝተዓጀበ ወጣሪ ሕቶ ነይሩ። መልክዑ ድኣ ይፈላለ እምበር ኩሉ እዚኣ ከይተዛረበ ዝሓለፈ ኣይነበረን። ናይቲ ጉዳይ ክብደት እውን ካብዚ ምርዳእይከኣል።
ኣቦወንበር ህወሓትን ምኽትል ርእሰ ምምሕዳር ትግራይን ዶክተር ደብረፅዮን ፈለማን ቅድሚ ኹሉን እቲ ዘጋጠመ ግፍዒ ዓብዪ ግፍዒ ምዃኑ ኣረጋጊፆም፤ ዝሕባእ ነገር ከምዘይኮነ እውን ኣብሪሆም። እዚ ግፍዒ እዚ ከጋጥም ተባሂሉ ተሓሲቡ ከምዘይፈልጥ ድሕሪ ምግላፅ ድማ ፍልፍሉ ካብ ክልቲኡ ወገን ምዃኑ የብርሁ። እቲ ሓደ ካብ ባዕሉ ካብቲ ኣመራርሓ እንትኸውን እቲ ካልኣይ ድማ ነዚ ተጠቒሙ ናብ ረብሕኡ ከውዕል ካብ ዘይድቅስ ናይ ደገ ሓይሊ እዩ ኢሎም። ዶክተር ደብረፅዮን እቲ ናይ መወዳእታ ሸቶ ከምዚ ዝበለ ምንቅስቓስ ስርዓት ምዕናው እዩ ድሕሪ ምባል ኣብ መፍትሒኡ ጊዜ ሂቦም ኣብሪሆም። እቲ ሓደ ክኸውን ዘለዎ እቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ኣመራርሓ ክፀሪ ምግባር ምዃኑ ገሊፆም። ከም ኣበሃህላ ዶክተር ደብረፅዮን ኢህወደግ ሕዚ በፂሕዎ ዘሎ ምርድዳእ ነቲ ፀገም ንእሽተይ ብዘይብሃል ደረጃ ክቐርፎ እዩ። ኣመራርሓ ነብሱ ክርኢ ተገይሩ ኣሎ። እቲ ካልኣይ ኣብ መናእሰይ ዘሎ ትኽክለኛናይ ልምዓትን ተጠቃምነትን ሕቶ ምምላስ እዩ። እቲ ሳልሳይ ድማነዞም ናይ ደገ ሓይልታት ዝምክት ማሕበራዊ ክብርን ፖለቲካዊ ኩነታትን ምፍጣር እዩ። እንድሕር ድኣ ጠንኪርካ ዝኣትወካ ሓይሊ ከምዘየለ እውን የዘኻኽሩ ዶክተርደብረፅዮን።
“ሕነ ናብ ምፍዳይ ኣይንኣቱን”
ምስቲ ልዕል ክብል ዝተገለፀ ዝተኣሰሰር ዶክተር ደብረፅዮን ዘልዓልዎ ሓደ ነጥቢ ነቲ ዘጋጠመ ግፍዕን በደልን ስዒቡ ክህልው ዝግብኦ ግብረ መልሲ ዝምልከት እዩ። ዋላ ካብቲ ህዝቢ ዝተልዓለ ብዙሕ ርእይቶ በዛ ነጥቢ እዚኣ ዝጅምርነይሩ “ሕነ ናብ ምፍዳይ ኣይንኣቱን” ብዝብል። ስለዝኾነ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ማለት እውን ኣብ ክልል ኣመሓራ ዝተጋፍዑ ተጋሩ፣ ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝተበደሉ ሶማሌ ኢትዮጵያ ወዘተ ዘጋጠሞም ፀገማት ካብቲ ዝተገለፀ መሰረታዊ ሓሳብ ዝብገስ ብምዃኑ ከም ኣገላልፃ ዶክተር ደብረፅዮን “ኣብዚ ኹሉ ክፋእ ህዝቢ ከም ህዝቢ ኢዱ ዘየለ” ብምዃኑ ናብ ሕነ ምፍዳይን ምጥልላፍን ከይኣተወ ብዝልዓለ ጥበብ ክእለ ክኢሉ እዩ። እዛሰላም እዚኣ ብኸመይ ዝበለ ተጋድሎ ከምዝመፀት ስለዝፈልጥ ህዝብና ናብ ካልእ ነገር ዘይምኻዱ እውን ኣመስጊኖም፤ ንኢዶም ዶክተር ደብረፅዮን።
“መናእሰይ ካልኦት ክልላት ስልጡን ኣገባብ እዮም መሪፆም”
ተጠቃምነተ ልምዓት መናእሰይን ተቓላዓይነቶምን ዝምልከት ሰፊሕ ዘተ ዝተገበረሉ ዋዕላ እዩ፤ ብፍላይ ኣብ ናይ ትማሊ ውዕልኡ። ብምዃኑ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባበታት ዘለዉ መናእሰይ ኣብ ከመይ ዝበለ ብርኪ ተረባሕነት ከምዘለዉ ብብርክት ዝበሉ ወገናት ዝተልሉ ሓሳባት ኣለዉ።
ካብ ገሊኦም ብፍላይ ፀገም ተፈጢሩወን ካብ ዝነበሩ ክልላት ዝመፅኡ ተወከልቲ ዝተልዓለ ሓሳብ መዘራረቢ ነይሩ። ‘እቲ ፋብሪከ ዘቃፅል መንገዲ ዝዓፁ ዘሎ መንእሰይስ ስራሕ ስለዝሰኣነ ፍትሒ ስለዝደንጎዮ እዩ’ዝብል ርእይቶ ተላዒሉ ብብዘሓት ውሃብቲ ርእይቶ ጌጋ ምዃኑን ክእረም ከምዘለዎን ተገሊፁ። ኣብ ዘረባ ዶክተር ደብረፅዮን እውን እዚ እዩ ተንፀባሪቑ። ንሶምከምዝበልዎ “ኣብ ዝኾነ ይኹን ጫፍ ኢትዮጵያ ዘሎ መንእሰይ ተመሳሳሊ ሽግር እዩ ዘለዎ። ካብ መንእሰይ ኦሮሞ ኮነ ኣመሓራ እንተኾነ ዝገድድ እንዘተይኮነ ድማ ዘይንእስ ፀገም ዘለዎ መንእሰይ ኣሎ፤ ኣብ ትግራይ ኮነ ኣብ ካልእ ክልል። እዚ መንእሰይ እዚ ፋብሪክኡ ዘየቃፀለ፣ መኪንኡ ዘየቃፀለ፣ ልምዓቱ ዘየተኣጓጎለሉ ምኽንያት ስልጡን ኣገባብ ስለዝመረፀ እዩ።” ብምባል ኣብሪሆም። ነቲ ከምኡ ዓይነት ርእይቶ ዝሃበ ወገን እውን “ክእረም ዘለዎ ግጉይ ኣረኣእያ እዩ” ብምባል እርማት ሂቦም ክኸውን ኣለዎ ኣብ ዝበልዎ ኣድሂቦም መብርሂ ሂቦም።
“ፀገም ኣለኒ ዝበለ መሊሱ ፀገም ኣይፈጥርን። ልምዓት ውሒዱኒ ዝበለ ዘለዎ ናይ ልምዓት ትካል ኣየብርስን። ርግፅ እዩ መንእሰይና ከፊእዎ ኣሎ። ይኹን እምበር እቲ ዝተኸተሎ መንገዲ ግጉይ እዩ። ናይ ካልእ ክልል መንእሰይ ጥዒምዎ ኣይኮነን ስኽ ዝበለ። እቲ ኣገባብ ንሱ ስለዘይመረፆ እዩ።” ብምባል እርማቶም ሂቦም፤ዶክተር ደብረፅዮን። ንኹሉ ተሳታፊ ኣብ ዘሕልፍዎ መልእኽቲ ድማ “መንእሰይ ትካል እንተቃፅል ስለዝመመሮ እዩ ኣቃፂሉ ኣይኮነን ክብሃል ዘለዎ፤ ከይተቃፅል ትጋገ ኣለኻ እዩ ክብሃል ዘለዎ። መናእሰይ ካልኦት ክልላት ስልጡን ኣገባብ ስለዝመረፁ እዮም ስኽ ዝበሉ” ኢሎም።
“ልዕልነት ትግራይ ፅውፅዋይ እዩ!”
ኣብዚ ዋዕላ እዚ ብጣዕሚ ብዙሓት ተሳተፍቲ ክልልት ኢትዮጵያ ህዝቢ ትግራይ ከምቲ ዝውረ ከምዘይሓለፈሉ ልዕልነት ትግራይ ዝብሃል እውን ከምዘየለ ብዓይንና ርእይና ኣሚንና ኣለና እናበሉ እንትምስክሩ ተደሚፆም እዮም። ካብ ትግራ እውን ተመሳሳሊ ሓሳብ ይቐርብ ነይሩ። “እንተሓሰብክምዎ ኸ ከመይ ኣቢልና ኢና ንበይንና ክንለምዕ?” ብምባል ነቲ ተሳታፋይ ንባዕሉ ሕቶ ዘቕረቡ ኣካላት እውን ነይሮም።
ዶክተር ደብረፀዮን እዚ ጉዳይ እዚ ዝርዝር ኣቢሎም ርእዮምዎ ኣለዉ። ሓደ እቲ ንብዙሕ ዓመታት ዝብሃል ዝነበረ ዝተቐረፀ ኣጀንዳ ስለዝነበረ እምበር ትግራይ ካብ ካልእ ንላዕሊ ከምዘይለምዐት ስለዝጠፍኦም ከምዘይኮነ ይዛረቡ። እዚ ካብ ናይ ፀላእቲ ወረ ምዃነ ሓሊፉ ኣብ ኢህወደግ ኣበ ባዕሉ እውን ዝኣተወ ኣረኣእያ ከምዝነበረ ገሊፆም። ኣመራርሓ ኢህወደግ ሕዚ ኣብዘካየዶ ኣኼባ ግን “እዚ ጉዳይ እዚ ፅውፅዋይ ምዃኑ ተኣማሚንና ኣለና። እዚኣ ሒዝኩም ከይድኩም ንህዝብኹም ኣእምኑ” ዝብል ውሳነ ከምዝሓለፈ ገሊፆም።
ሓደ ካብቶም ሕልፊ ተረባሕነት ኣለዎ ትግራዋይ! ዘብሉ ዝነበሩ ተጋሩ ሰብ ሃፍቲ ምዃኖም ብተደጋጋሚ ዝተገለፀ ኮይኑ ዶክተር ደብረፅዮን ንታሪክ ክኸውን ብዝኽእል ኣገባብ ዝመለስዎ መልሲ እነሆ።
“እንትጅምር እዚ ስርዓት እዚ ንሓደ ከሀፍትም ንካልእ ከድኪ ኣይኮነን ተሃኒፁ። ከምኡ ክገብር ዘኽእል ኩነታት እውን የለን። ካብኡ ድማ ሓደ ሰብ ፅዒሩ ግዒሩ እንተሃፍተመ ኣብ ምንታይ እዩ እቲ ሽግር? ሌባ እንተኾይኑ ናይ ትግራይ ሌባ ኣሎ ናይ ኣመሓራ ናይ ኦሮምያ ሌባ ኣሎ ወዘተ። ሌባ ዓዲ ኣየብሉን። ሰሪሑ ህንፃ እንተሰርሐ፣ፋበሪካ እንተተኸለ ግን እንታይ እዩ ሽግሩ? ብስሩ እኮ ሌባ ዓብዪ ህንፃን ፋብሪካን ኣይተክልን!። ስለዚ ልዕልነት ትግራይ ዝብሃል ነገር ፅውፅዋይ እዩ”
“ሰራዊት ኣብ ገዛእ ዓዱ እንትቕጥቀጥ ርእይና!”
ጫፍ እቲ ሕዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ፀገም ካብ ዝተገለፀሎም ብዙሓት ነገራት እቲ ሓደ ኣብ ልዕሊ ናይ ፌደራል ትካላትና ዝተገበረ ዓብዪ ፀለመ፣ ጠቐነን መጥቃዕትን እዩ። እዚ ብዝተፈላለዩ መንገድታት ካብ ዝተፈላለዩ ሰባት ብዝመፁ ሓሳባት ተገሊፁ እዩ። ምርር ዝበለ ዘረባ ዶክተር ደብረፅዮን ናይቲ ኩነታት ጫፍ ከርእየና ይኽእል እዩ።
“ክብርታት ሃገር ተደፊሮም እዮም። እንኮላይ ሰራዊትና እኮ እዩ ኣብ ገዛ ዓዱ እንትቕጥቀጥ ርእይና። ሰራዊት እዛ ሃገር ኣብ ገዛእ ዓዱ ከም ናይ ባዕዲ ሰራዊት ብዘይድቃድና ንምንታይ ኣትዩ እናተብሃለ እኮ እዩ ተቖናፂቡ። ካብ ደገ ዝመፀ ሰራዊት ክመስል በዚ እቶ በዚ ውፃእ ተባሂሉ ወዲ ህዝቢ ሰራዊት። ዓዲ ምሕላው እዩ ልእኹ። ግን ከምኡ ተባሂሉ። ብዓይንና ርእይና ሰራዊት እናተቐጥቀጠ። ኣብዚ ዓዲ እኮ ዘይተገበረ የለን። ግን እዚ ኩሉ እናቆፀርና ኣይንኸይድን። ይተኣረም ኢና ኢልና። እዚኣ ኩሉ ኣመራርሓ ኣሚኑላ፤ ወሲድዋ ንህዝቡ በዚ ክመርሕ እዩ ተደምዲ።”
“ምትካእ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣካል ብዕምቆት ምሕዳስ እዩ!”
ብርክት ዝብሉ ምስ ምውራድ ኣይተ ሃይለማርያም ደሳለኝ ተኣሳሲሩ ብዙሓት ርእይቶታት ዝተውሃቡሉ ዋዕሎ እዩ ነይሩ፤ ብፍላይ ኣብ ናይ ትማሊ ውዕልኡ። እዚ ገሊኡ ምስ ሕድሪ ምጥላም እውን ኣተኣሳሲሩ የልሎ ነይሩ። ኣብ ቁርፂ ሰዓት ስልጣን ምግዳፍ ትኽክል ድዩ ዝብል እውን ነይሩ። ነዚ መልሲ ዝሃቡ ዶክተር ደብረፅዮን “ምትካእ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣካል ብዕምቆት ምሕዳስ” ምዃኑ የብርሁ።
ኣብ ዘረብኦም
“እንትጅምር ስኽ ኢሉ ዱብ ዝበለ ሕቶ ኣይነበረን። ኣብ ብዕምቆት ናይ ምሕዳስ ጉዕዞና ዝተገበረ እዩ። ከም ኣመራርሓ ኣነ ፀገማት ክፈትሕ ኣይከኣልኩን። እኩል ኣመራርሓ ኣየዕረፍኩን ስለዚ ዝሓሸ ዓቕሚ ዘለዎ ሰብ ግበሩሉ እዮም ኢሎም። ብሓደ ገፅ ዓቕምኻ ምፍላጥ እውን ፅቡቕ እዩ። ብዝኾነ ሕቶኦም ኣይንቕበልን እንተዝብል ኢህወደግ ክቕፅሉ እዮም ነይሮም። ግን እቲ ሕቶ ብመሰረታውነቱ እዩ ተራእዩ። ተዛቲናሉ። ተቐቢልናዮም። እምበር ስኽ ኢልካ መሽለጥ ኢልካንምውፃእ ዝተገበረ ፈተነ ኣይኮነን። ስለዚ እዚ ክልመድ እዩ ዘለዎ። ሕቶ ናብ ናብ ውዳበ ይቐርብ ይዝተየሉ፤ ተቐባልነት እንተሃልይዎ ይውሰን። እዚ ማለት ግን ጥርናፈ ምስሓት ኣይሓውስን። ኣይከኣልን እንተዝብሃሉስ ምቐፀሉ ነይሮም ማለተይእየ።” ብምባል ቀዳማይ ሚኒስትር ነበር ሃይለማርያም ደሳለም ካብ ስልጣን ናይ ምልቃቕ ሕትኦም ኣካል ብዕምቆት ናይ ምሕዳስ ከይዲ ምዃኑ የብርሁ።
መጠቓለሊ
ኣብዚ ዋዕላእዚ ብርክት ዝበሉ ክልላዊ፣ ሃገራውን ዞባውን ጉዳያት ተላዒሎም ዓሚቕ ዘተ እናተኻየደሎም ይርከብ። ካብ ዝሓለፈወርሒ መስከረም ጀሚሩ ካብ ኣባል ፈፃሚት ጀሚሩ ክሳብ ታሕተዋይ ካድረን ኣባልን ዝቐፀለ ብዕምቆት ናይ ምሕዳስ ዳግማይ መድረኽ ሕዚ ኣብ ህዝቢ በፂሑ ኣሎ። በዚ መሰረት ድማ ንኣርባዕተ ማዓልቲ ዝተተለመ ኮንፈረስ ሰላም፣ ዲሞክራስን ልምዓትን ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ምክያድ ይርከብ። ኣብዚመድረኽ እዚ ሃገራዊ ኩነታት ብፍላይ ሰላምን ምርግጋዕን እዛ ሃገር ዝምልከት፣ ናይ ኣመራርሓ ለውጥታት፣ ዛጊድ ዘይተመለሱ ወሰንቲ ሕቶታት ልምዓት ክልልን ሃገርን ወዘተ ተላዒሎም እናተዘተየሎም ይርከብ።
ድምፂ ወያነ ትግራይ
ምንጪ ፅፁይ ሓበሬታ!