ዋዕላ ዩኒቨርሲቲ ፓንኣፍሪካኒዝም ዓድዋ ክሳለጥ እዩ።

መቐለ ሚያዝያ 06/2010(ድወት) ዩኒቨርሲቲ ፓን ኣፍሪካኒዝም ዓድዋ መሰረት ዝገበረ ፈላማይ ዓለምለኻዊ ዋዕላ ኣብ ከተማ ዓድዋ ክሳለጥ እዩ።

“ትካል ፓን ኣፍሪካዉነት ምፍጣር ፈላማይ ዋዕላ ዩኒቨርሲቲ ፓን ኣፍሪካ ዓድዋ” ብዝብል መሪሕ ቃል 16ን17ን ሚያዝያ 2010ዓ.ም ከምዝሳለጥ ድማ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ሃገርና ኣፍሊጡ።

መተሓባበሪ ኮሚቴ ዩኒቨርሲቲ ፓን ኣፍሪካ ዓድዋ ኣብዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለፂ ከምዝሓበሮ ዩኒቨርሲቲ ፓን ኣፍሪካ ዓድዋ ብፍልጠት ዝማዕበለ ሕብረተሰብ ክፍጠር፣ ባህሉን ቋንቁኡን ዝፈልጥ፣ ሕበረተሰቡ ዝሕግዝ፣ ረብሓታቱ ዘሰጉም፣ ጡርንፍቲ ኣፍሪካ ንምፍጣር ፃዕርታት ዝገብር፣ ሰላሙ ሓልዩ ምስ ኻልኦት ሃገራት ብሰላም ንምንባር ዝሰርሕ ማሕበረሰብ ንምህናፅ ምስራሕ ቀንዲ ዕማም እዚ ዩኒቨርሲቲ ምዃኑ እዉን ተገሊፁ።

ኣብዚ ዋዕላ ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ፣ ፕሬዚደንት ሩዋንዳ ፖል ካጋሜ፣ ፕሬዚደንት ኡጋንዳ ዮሪ ሜሶቮኒ ነበር ቐዳማይ ሚኒስትር ሃገርና ኣይተ ሃይለማርያም ደሳለኝ ክርከቡ እዮም ።

ካብዚ ብተወሳኺ ፉሉጣት ሙሁራን ፓን ኣፍሪካዉነትን ተመራመርቲን ኣፍሪካ፣ ኣዉሮፓ፣ ኣሜሪካ፣ ክሳተፉ እዮም።

ቐንዲ ዕላማ እዚ ዋዕላ ድማ ዝምልከቶም ዉልቀ ሰባት ትካላት ሃገራትን ፃዕሮም ብምሕያል ራኢ እዚ ዩኒቨርሲቲ ጋህዲ ንምግባር እዩ።

ንድፊ ሓሳብ እቲ ዩኒቨርሲቲ ዕላማታ ዝወሃቡ ዓይነታት ትምህርቲ ዲዛይን ህንፃታት ነዚ ዩኒቨርሲቲ ዝመርሑ ኣባላት ቦርድን ክሕረዩ እዮም።