ዘተ ኪዳን ፍቅርን ሓድነትን-ኣብ ኣዲስ ኣበባ…

መቐለ ሚያዝያ 06/2010(ድወት) ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ፅባሕ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምስ 25ሽሕ ህዝቢ ክዝትዩ እዮም።

እቲ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምስ ዝተፈላለዩ ኽፋላት ሕብረተሰብ ዝካየድ ዘተ “ኪዳን ፍቅርን ሓድነትን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ እዩ ክካየድ።

ብመሰረት እዚ ድማ ሓድነትን ሓቢርካ ምንባርን ምጥንኻር ዕላማ ዝገበረ ዘተ ከምዝካየድ ሚኒስቴር ጉዳያት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ኣፍሊጡ።