ስጉምቲ ኣሜሪካን መሻርክታን ዘይሕጋዊን ተቀባልነት ዘይብሉን’ዩ-ላቭሮቭ

መቐለ ሚያዝያ 07/2010(ድወት) ኣሜሪካን መሻርክታን ኣብ ሶርያ ዘካየድዎ መጥቃዕቲ ተቐባልነት ዘይብሉ ዘይሕጋዊ እዩ ኢሎም ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ሩስያ ሰርጌ ላቭሮቭ፡፡

ላቭሮቭ ድሕሪ ሃገራት ኣሜሪካ ፈረንሳይን እንግሊዝን ብሓባር ኣብ ሶርያ ዘካየደኦ ሓበራዊ ወታሃደራዊ መጥቃዕቲ ኣንፃር መንግስቲ በሽር ኣልኣሳድ ኣብ ዘሃብዎ መብርሂ ስጉምቲ ምዕራባውያን ሃገራት ንዓለምለኸ ሕጊ ዝጠሓሰ ተቐባልነት ዘይበሉ እዩ፡፡

ብኣሜሪካ ዝምራሕ ሓይሊ ምዕራባውያን ሃገራት መንግስቲ በሽር ኣልኣሳድ ኣብ ሶርያ መጥቃዕቲ ከሜካል ጋዝ ፈፂሙ ብዝብል ኣብ ልዕሊ ስርዓት ሶርያ ወታሃደራዊ መጥቃዕቲ ምፍፃመን ፀብፃባት ኣመልኪተን፡፡

እተን ሃገራት ግልፂ ዝኾነ ወራር የካይዳ ኣለዋ ዝበሉ ላቭሮቭ ነዚ ተግባራዊ ስጉምቲ ዝእግድ ውሳነ ሓሳብ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ንምፅዳቕ ሩስያ ዝጀመረቶ ምንቕስቓስ ተቐባልነት ከምዘይረኸበ ፀብፃብ CGTN የመልክት፡፡