ካናዳ ስርዓት ፌደራሊዝም ኢትዮጵያ ንምጥንካር ሞያዊ ሓገዝ ክትገብር’ያ

መቐለ ሚያዝያ 07/2010(ድወት) ካናዳ ስርዓት ፌደራሊዝም ኢትዮጵያ ንምጥንካር ሞያዊ ሓገዝ ክትገብር’ያ፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ካናዳ ፍሊፕ ቤከር ከምዝበልዎ ካናዳ ስርዓት ፌደራሊዝም ኢትዮጵያ ንምጥንካር ትገብሮ ዘላ ሞያዊ ሓገዝ ኣጠናኪራ ክትቅፅለሉ’ያ፡፡

እቶም ኣምባሳደር ሰብሃፍቲ ካናዳ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ኢንቨስትመንት ንክዋፈሩን እናተጠናኸረ ዝመፀ ርክብ ሃገራት ካናዳን ኢትዮጵያን ንምጉልባትን እናተሰርሐ ምዃኑ’ውን ሓቢሮም፡፡

ኢትዮጵያን ካናዳን ሓደ ዝገብረን ስርዓት ፌደራሊዝም ንምጥንካር ስሩዕ ዘተን ልውውጥ ተሞክሮን ንምግባር መርሃ ግብሪ ከምዘሎ እውን ገሊፆም፡፡

በዚ መዳይ ዘለወን ርክብ ብዝበለፀ ንምጥንካር ቅድሚ 2ተ ዓመታት ኣብ ዙርያ ስርዓት ፌደራሊዝም ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእል ስምምዕነት ከምዝተበፅሐ ድማ ሓቢሮም፡፡

ነዚ ስዒቡ ድማ ቅድሚ ሓደ ዓመት ስርዓት ፌደራሊዝም ኢትዮጵያ ንምጥንካር ዘኽእል 5 ሚልዮን ዶላር ካናዳ ወፃኢ ብምግባር ፕሮጀክት ሓሙሽተ ዓመታት ዕላዊ ምዃኑ ተገሊፁ፡፡