ሓዱሽ ዝጣየሽ ኤጀንሲ ማእኸላይ ስታቲስቲክስ ካብ ወርሒ ሰነ ስርሑ ክጅምር እዩ…

መቐለ ሚያዝያ 08/2010(ድወት) ኣብ ትግራይ ዝጣየሽ ሓዱሽ ኤጀንሲ ማእኸላይ ስታቲስቲክስ ካብ ወርሒ ሰነ ተግባራዊ ስርሑ ክጅምር እዩ ኢሎም ምኽትል ርእሰ ምምሕዳር ክልልና ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል።

ቅድም ክብል ኣብዝተሳለጠ ገምጋም ኣብ ኣብያተ ዕዮ ፀብፃብ ሓሶት ዝበዝሐሉ ኹነታት ምንባሩ ዘዘኻኸሩ ዶክተር ደብረፅዮን እዚ ሓዱሽ ኤጀንሲ ነፃ ኮይኑ ንዝምልከቶም ኣካላት ፅፉፍ ሓበሬታ ከቅርብ እዩ ኢሎም።

ሓቃዊ መረዳእታ ኣብያተ ዕዮ ንምርካብ ኣብዚ ዝሰርሑ ኣካላት ለውጢ ኣተሓሳስባ ከምፅኡ ዝስራሕ ኮይኑ ብዋናነት ግን ፀብፃብ ሓሶት ብትካላዊ መንገዲ ክፈታሕ እዩ።

ኣብ ኹለን ወረዳታት ክልልና ጨናፍር ኣብያተ ዕዮ ኸፊቱ ቡቑዕ ሓበሬታ ክእክብን ክትንትንን ኣተሓሕዛ ሓበሬታ ኣብያተ ዕዮ ክቆፃፀርን ምስ ኤጀንሲ ማእኸላዊ ሓበሬታ ተዋዲዱ ከምዝሰርሕ እውን ገሊፆም።

ኤጀንሲ ማእኸላዊ ሓበሬታ ፈደራል ብወገኑ እዚ ስርሑ ንምጅማር 252 ሰባት ከምዘድልዮን ኻልኦት ናውትታት ክማልኡሉ ከምዝግባእን ገሊፁ።