እስራኤል ሃገረ ፍልልይ-ኢሎምዋ ፕረዝደንት ቱርኪ…

መቐለ ግንቦት 08/2010(ድወት) ፕረዝደንት ቱርኪ ታይፕ ኤርዶጋን ንእስራኤል ሃገር ኣፓርታይድ ኢሎምዋ።

ፕረዝደንት ኤርዶጋን ንቐዳማይ ሚኒስትር ቤንያሚን ኔታንያሁ መራሒ ዓሌታዊ ፍልልይ ዝግበረላ ሃገር ወይ መራሒ ሃገር ኣፓርታይድ ክብሉ ነቂፎምዎም።

ቐዳማይ ሚኒስትር ቤንያሚን ኔታንያሁ ዓሰርተ ትእዛዛት ብምንባብ ሰብኣውነት ክመሃሩ ድማ ሚዒዶምዎም እቶም ፕረዝደንት።

ፕረዝደንት ታይፕ ኤርዶጋን ነዚ ዝመረረ ሪኢቶ ክፅሕፉ ዝደፍኦም 59 ፍልስጤማውያን ብሓይልታት እስራኤል ኣብ ዶብ ጋዛ ምስተቐተሉ እዩ።

ፕረዝደንት ኤርዶጋን ኣብ ትዊተር ገፆም ከምዝፃሓፍዎ ኔታንያሁ ደም ፍልስጤማውያን ኣብ ኢዶም ኣሎ እዚ ገበን ንቱርኪ ብምጥቃዕ ኣይሽፍንዎን።

ቅድም ኢሎም ቐዳማይ ሚኒስትር ኔታንያሁ ንፕረዝደንት ኤርዶጋን ደጋፊ ሃማስ ከምኾኑን ሞራል እስራኤል ካብ ምትንካፍ ክቑጠቡን ኣብ ትዊተር ፅሒፎምሎም ምንባሮም ይዝከር።

ይኹን እምበር ፕረዝደንት ቱርኪ ግን ኣብ ዋሽንግተን፣ ቴልኣቪቭን ዘለዉ ኣምባሳደራቶም ከምዝስሕቡን ኣምባሳደር እስራኤል ኣብ ኣንካራ ከምዘባርሩን ኣፍሊጦም ኣለዉ።

ድሕሪ ሒደት ስዓታት ድማ እስራኤል ኣብ እየሩሳሌም ዝነበሩ ቆንስላ ቱርኪ ከምዘባረረት ኣፍሊጣ።

ኣሜሪካ ኤምባሲኣ ካብ ቴልኣቪቭ ናብ እየሩሳሌም ምዝዋራ ብትሪ ካብ ዝተቐወማ ሃገራት ቱርኪ ሓንቲ እንትትኸውን ኣብቲ ዞባ ተፈጢሩ ንዘሎ ናዕቢ ኣሜሪካ ጀማሪት ምኽንያት ከምዝኾነት ትገልፅ።