መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ማንቸስተር ክበርር እየ ኢሉ…

መቐለ ግንቦት 08/2010(ድወት) መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ከተማ ማንቸስተር በረራ ከምዝጅምር ኣፍሊጡ።

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣድማስ በረርኡ ብምስፋሕ ካብ ዝቕፅል ወርሒ ታሕሳስ ጀሚሩ ኣብ ሰሙን ኣርባዕተ ግዘ ናብ እንግሊዝ ከተማ ማንችስተር በረራ ክጅምር እየ ኢሉ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ናብ ካልእ ከተማ እንግሊዝ ለንደን በረራ ይካየድ ዘሎ እንትኾን 45 ዓመታት ድማ ኣቁፂሩ ኣሎ።

ኣብ መንጐ ማንቸስተር ኣዲስ ኣበባን ዝካየድ በረራ ኣየር ኽልቲኣዊ ርክብ ንግዲ፣ ኢንቨስትመንትን ቱሪዝምን ከዕብዬ ትፅቢት ይግበር።

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብዘተኣናግዶም በዝሒ ተጉዓዝቲ ካብ ኣፍሪካ ቐዳማይ ምዃኑ ይፍለጥ።