ሃገራትኣውሮፓ ቅድመ ኩነት የማልኣ ኢራን

መቐለ ግንቦት 16/2010(ድወት) ሃገራት ኣውሮፓ ጠለባት ኢራን ከማልኣ እንተዘይኪኢለን ስምምዕነት 2015 ከምዝሞተ ይሕሰባ ኢሎም ሃይማኖታዊ መራሒ ኢራን።

ኣያቶላህ ዓሊ ካመኒ ካብ ዘቀመጥዎም ቅድመ ኩነታት እቲ ሓደ ባንክታት ኣውሮፓ ንንግዲ ኢራን ከውሕሳ ይግባእ ዝብል ሓደ’ዩ።

ሓይልታት ኣውሮፓ ካብ ኢራን ዝዕድግኦ ነዳዲ ክቅፅል ዓውደ ነዳዲ ኢራን ካብ ፅዕንቶ ኣሜሪካ ክሕልዋን ሓዱሽ ስምምዕነት ክገብራን ሓቲቶም ኣያቶላህ፡፡

ዕላዊ ድረገፅ ኣባቶላህ ዓሊ ካመኒ ከምዝሕብሮ ኢራን ብፍላይ ምስ 3ተ ሃገራት ማለት ምስ ፈረንሳይ ጀርመንን ብሪታንያን ክትጓነፅ ኣይትደልን ግን ድማ ኣይትኣምነንን፡፡

ስለዚ ኢሎም ከካመኒ ሃገራት ኣውሮፓ ንመጠሻ ነዳዲ ኢራን ውሕስና ክህበኦ ዋላኳ ኣሜሪካ ነዚ ዓውዲ እንተሃሰየቶ ሃገራት ኣውሮፓ ነዳዲ ካብ ኢራን ንምዕዳግ ሂወት ክዘርኣሉ ይግባእ ኢሎም፡፡

እዚ ቅድመ ኩነት ኣብ ዘይማልኣሉ ግን ኢራን ባእታ ዩራንየም ምምዕባል ክትጅምር ምኳና ዘጠራጥር ኣይኮነን ኢሎም ዓሊ ካመኒ፡፡

ይኩን’ምበር ኣብዚ ጉዳይ ካብ ሃገራት ኣውሮፓ ዝተውሃበ ምላሽ የለን፡፡