ርክብ ኢትዮ-ኬንያ ኣብ ዝለዓለ ብርኪ ከምዝበፅሐ ተሓቢሩ

መቐለ ግንቦት 16/2010(ድወት) ኣብ መንጎ ሃገራት ኢትዮጵያን ኬንያን ጥንኩር ርክብ ከምዘሎ ኣብ ኬንያ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ዲና ሙፍቲ ተዛሪቦም፡፡

ኣብ ኬንያ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ዲና ሙፍቲ ነዚ ዝገለፁ ኣብ ኬንያ ዝተፈላለዩ ዲፕሎማት ሰብ ስልጠናትን ዕደመ ዝረተገበረሎም ኣጋይሽን ኣብ ዝተረኸብሉ መበል 27 ዓመት በዓል ዓመት 20 ግንቦት ኣብ ዘክበርሉ እዋን’ዩ፡፡

ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ከምዝበልዎ ኣብ መንጎ ኬንያን ኢትዮጵያን ዘሎ ነዊሕ እዋን ዘቁፀረ ጥንኩር ርክብ ብዝተፈላለዩ ለውጢ መንግስታት’ውን ዝቐፀለ’ዩ፡፡

ኢትዮጵያ ን2ይ ግዜ ብጣልያን እንትውረር ኬንያ ዝገበረቶ ሓገዝን ኣብ እዋን ምንቅስቃስ ቓልሲ ነፃነት ማኦማኦ ኢትዮጵያ ንኬንያ ዝገበረቶ ሓገዝን ብኣብነት ዝፅራሕ ምኳኑ ድማ ተዛሪቦም፡፡

ኢትዮጵያ ኣብዚ ሐዚ እዋን ተግባራዊ ትገብሮ ዘላ ዓለምለኻዊ ርክብን ፓሊሲ ወፃኢን ኣብ ሓበራዊ ረብሓ ዝተመስረተ ኢድ ኣእታውነት ዘይብሉን ዓለምለኻዊ ሕግታት ዘኽበረን ምዃኑ ድማ ገሊፆም፡፡

ኣብ ቐረባ እዋን ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ኬንያ ዘካየድዎ ዑደት 2ቲኣዊ ርክብ ኢትዮ-ኬንያ ኣብ ምጥንካር ዝለዓለ ትርጉም ከምዘለዎ ድማ ተሓቢሩ፡፡

ኣብቲ ዑደት 2ቲኤን ሃገራት ኣብ ዓውድታት ኣቭየሽን መሰረተ ልምዓት ድሕንነትን ብሓባር ንምስራሕ ኣብ ስምምዕ ከምዝበፅሓ ይፍለጥ፡፡

ብዜካ እዚ ኣብ ዶብ ሰገር ሽብርተኝነት ዘይሕጋዊ ስደትን ርክብ ህዝቢ ንህዝቢን ኣብ ስምምዕ በፂሐን’የን፡፡