ዕዳጋ ቦንድ ኣፍሪካ መንግስታዊ ሓገዝ የድልዩ

መቐለ 27 ጥቅምቲ 2011(ድምፂ ወያነ) ኣብ ኣፍሪካ ዝካየድ ዕዳጋ ቦንድ መንግስታዊ ሓገዝ ከምዘድልዩ ሰብ ሞያ ስነ-ቑጠባ ገሊፆም።

ሰብ ሞያ ፋይናንስን ቑጠባን ኣህጉር ኣፍሪካ ኣብ ዛምቢያ ኣብ ዘካየድዎ ዓመታዊ ጉባኤ ንግድን ፋይናንስን ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ዕላዊ ዝገብሮ ፕሮጀክት ዓለምለኻዊ ዕዳጋ ቦንድ ክረጋገፅ ጥንኩር ፓለቲካዊ መሪሕነት ይሓትት ተባሂሉ’ሎ።

ዋና ዳይረክተር ዓውደ ፋይናንስ ባንኪ ዓለም ስቴፋን ናለታም ቢይ ከምዝበልዎ ኣብ ኣህጉር ኣፍሪካ ውሽጣዊ ዕዳጋ ቦንድ ሐዚ ካብ ዘለዎ ብዝበለፀ ብምዕባይ ቁጠባዊ ምዕባለ ኣፍሪካ ምጥንኻር ወሳኒ እዩ።

ኣፍሪካ መፃኢት ብሩህ ተስፋ ማሕበረሰብ ዓለም እናኾነት እያ ዝበሉ እቶም ኪኢላታት ፋይናንስን ዓውደ ቁጠባን ይኹን’ምበር ዘለዋ ዕቁር ሃፍቲ ተፈጥሮ ብዝግባእ ኣብ ረብሓ ንምውዓል ዋሕዚ ቐጥታዊ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ምጥንኻር ከምዘድሊ ተዛሪም።