ሕማም ኤች ኣይቪ ኤድስ ንምክልኻል ግንዛበ ሕብረተሰብ ምዕባይ የድሊ ተባሂሉ

መቐለ 21 ሕዳር 2011(ድምፂ ወያነ) መዓልቲ ምክልኻል ኤች ኣይቪ ኤድስ ምኽንያት ብምግባር ዘሰናዳእኹዎ መድረኽ ዕውት ብዝኾነ ኣገባብ ተዛዚሙ ኢሉ ቤት ፅሕፈት ሓለዋ ጥዕና ክፍለ ከተማ ሓወልቲ።

እቲ ቤት ፅሕፈት ንመበል 30 ግዘ ዝተኸበረ መዓልቲ ኤች ኣይቪ ኤድስ ምኽንያት ብምግባር ግንዛበ ሕብረተሰብ ዘዕብዩ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ እናሳለጠ ምምፅኡ ሓቢሩ።

ኣብ ቤት ፅሕፈት ሓለዋ ጥዕና እታ ክፍለ ከተማ ክኢላ ጥዕና ዝኾኑ ኣይተ ደመወዝ ክፍለ ሕማም ኤች ኣይቪ ኤድስ ኣብ ክልልና ዳግም ኣንፀላልዩ ስግኣት ማሕበራውን ቁጠባዊን ምንቅስቃሳትና ይኸውን ብምህላው ማሕበረሰብ ዳግም ተረባሪቡ ክኸላኸሎ ኣተሓሳሲቦም።

ከምኣቖፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ 2030 ካብቲ ለበዳ ናፃ ዝኾነ ማሕበረሰብ ምፍጣር ዝብል ሽቶ ንምዕዋት ድማ ብፍላይ ንመናእሰይ ግንዛበ ክነጨብጥ ሓላፍነት ኣለና ኢሎም እቶም ክኢላ።