ኳታር ካብ ኣባልነት ኦፔክ ክትወፅእ እያ

መቐለ 24 ሕዳር2011(ድምፂ ወያነ) ኳታር ካብ ትካላት ልኣኽትን ኣፍረይቲን ነዳዲ ማለት ኦፔክ ዓርሳ ከም እተግልል ኣፍሊጣ።

ሚኒስትር መዓድን ኳታር ሰዓድ ሸሪዳ ኣልካዲ ኣብ ኳታር ዶሃ ከም ዝሓበርዎ ኳታር ካብቲ ማሕበር ከም ትወፅእ ኣፍሊጦም ኣለዉ።

እታ ሃገር ካብቲ ውዳበ ንምውፅኣ ከም ምኽንያት ዘቕረበቶ ሰደድ እትገብሮ ነዳዲ ዋጋ ወሲኻ ናብ ፈሳሲ ብምልዋጥ ክትርብሓሉ ከምትደሊ ብምግላፃ እዩ።

ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ወሽመጥ ዓረብ ካብ ዝርከባ ሃገራት ኢራንን ኳታርን ኣብ ሃፍቲ ነዳዲ ልዑል ብፅሒት ዘለወን እየን።

ኳታር ኣብ 1961 ዓመተ ፈረንጂ ናብ ኦፔክ ዝተፀንበረት ኮይና ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ካብ ዘለዋ ሃገራት ቀዲማ ነቲ ውዳበ ዝገደፈቶ ብዝብል ድማ ሽማ ይለዓል ኣሎ።