ቻይና ምስ ሃገራት ደቡብ ኣሜሪካ ርክብ ክተጠናክር’ያ

መቐለ 25 ሕዳር 2011(ድምፂ ወያነ) ቻይና ምስ ሃገራት ደቡብ ኣሜሪካ ዘለዋ ርክብ ንምጥንኻር ትሰርሕ ከምዘላ ኣፍሊጣ።

ፕረዝደንት ቻይና ሺ ዥ ፒንግ ድሕሪ ምዝዛም ዋዕላ ጉጅለ 20 ቦነሶ ኣይረስ ናብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ደቡብ ኣሜሪካ ከምዝተጉዓዙ ሲ ጂ ቲኤን ፀብፂቡ።

ቤጂንግ ብፕሮጀክት ሓደ ቅናት ሓደ መንገዲ ምትሕብባር ልምዓት ምስ ሃገራት ደቡብ ኣሜሪካ ዘሎ ርክብ ናብ ዝለዓለ ምትሕብባር ንምስግጋር ትኹረት ከምዝወሃቦ ፕረዝደንት ሺ ገሊፆም።

እዚ ጋህዲ ንምግባር ድማ ንኣርጀንቲና ሓዊሱ ምስ ዝተፈላለያ ሃገራት እቲ ዞባ ስምምዕነት ስትራቴጂክ ምሕዝነት ፈፂሞም ኣለው እቲ ፀብፃብ።