ማረት ንቐረብ መስተ ማይ ትግራይ ዝውዕል 280 ሚልዮን ቅርሺ ሓገዝ ረኺባ

መቐለ 27 ሕዳር 2011(ድምፂ ወያነ) ማሕበር ረድኤት ትግራይ (ማረት) ኣብዚ ዓመት ኣብ ገጠራት ትግራይ ንዘሎ ሕፅረት ቐረብ ፅሩይ መስተ ማይ ዝውዕል ልዕሊ 280 ሚልዮን ቅርሺ ሓገዝ ከምዝረኸበት ኣፍሊጣ።

ብዋና ዳይረክተር ማሕበራዊ ረድኤት ትግራይ ዝምራሕ ጉጅለ ኣብ ኣሜሪካ ከተማ ሳን ፍሪንሲስኮ ምስ ቻሪቲ ዋተር ዝበሃል ኣብ ቐረብ ፅሩይ መስተ ማይ ዝነጥፉ ገባሪ ሰናይ ትካል ኣብ ዘሳለጦ መድረኽ መተኣኻኸቢ እቶት ልዕሊ 280 ሚልዮን ቅርሺ ሓገዝ ከምዝረኸበ ድማ ተሓቢሩ።

ኣብ ክልልና ብፍላይ ድማ ኣብ ገጠራት ትግራይ ብርክት ዝበለ ህዝቢ ፀገም ፅሩይ መስተ ማይ ከምዘለዎ ዝተሓበረ ኣብቲ እዋን ነዚ ፀገም ንምፍታሕ ብወገን መንግስትን ገበርቲ ሰናይ ትካላትን ልዑል ፃዕሪ ከምዝሓትት ተገሊፁ።

ብመሰረት እዚ ማረት ነዚ ፀገም ንምፍታሕ ብዝሓዘቶ መደብ መሰረት መተኣኻኸቢ እቶት ብምኽያድ ኣብዚ ዓመት ሰፋሕቲ ስራሕቲ ንምስራሕ መደብ ከምዝሓዘት ኣፍሊጣ።

ኣብ ቐረብ ፅሩይ መሰተ ማይ ፣ሃፍቲ ተፈጥሮ፣ጥዕና፣ትምህርቲ ዘመናዊ መስኖን ካልኦት ማሕበራዊ ስራሕትን ትነጥፍ ማሕበራዊ ሬድኤት ትግራይ ካብ 2011-2017ዓ.ም.ፈ ኣብ ዘለው ዓመታት ጥራሕ ንልዕሊ 1.5 ሚልዮን ወገናት ተረባሕቲ ዝገብሩ ልዕሊ 5ሽሕን 600 ዝተፈላለዩ ኣማራፅታት ማይ ንሕብረተሰብ ከምዘበርከተት ድማ ተፈሊጡ ኣሎ።