ሃገራት ጁቡትን ቻይናን ስትራቴጂካዊ ርክበን ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምዕባይ ይሰርሓ ኣለዋ…

መቐለ 01 ጥሪ 2011(ድምጺ ወያነ) ሃገራት ጁቡትን ቻይናን ስትራቴጂካዊ ምሕዝነተን ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምዕባይ ይነጥፋ ከምዘለዋ መራሕቲ እተን ሃገራት ገሊፆም።

ፕረዝደንት ቻይና ሺ ዢን ፒንግ ኽልቲኤን ሃገራት ስትራቴጂካዊ ርክብ ዝጀመራሉ መበል 40 ዓመት ምኽንያት ጌሮም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ኣብ መልእኽቶም ድማ ፕረዝደንት ቻይና ሺ ዢን ፒንግ ሃገሮም ምስ ጁቡቲ ዘለዋ ዝተጠናኸረ ስትራቴጂካዊ ርክብ ናብ ዝሓሸ ብርኪ ንምስግጋርን ሓዱሽ ምዕራፍ ንምኽፋትን ድልየት ከምዘለዋ ገሊፆም።

ቻይና ምስ ሃገራት ኣፍሪካ ኣብ ሓበራዊ ተረባሕነት መሰረት ዝገበረ ርክብ ኣለዋ ዝበሉ ሺ ብቐፃሊ እውን ብፕሮጀክት ሓደ ቅናት ሓደ መንገዲ ኣቢላ ርክብ ቻይና-ኣፍሪካ ክጠናኸር ከምትሰርሕ ሓቢሮም።