ኣንድሪ ራጆሊና ተዓዋቲ ፕረዝዳንታዊ መረፃ ማዳጋስካር ኮይኖም…

መቐለ 01 ጥሪ 2011(ድምጺ ወያነ) ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሕገ-መንግስቲ ማዳጋስካር ኣብታ ሃገር ኣብዝተኻየደ መረፃ ነበር መራሒ እታ ሃገር ኣንድሪ ራጆሊና ተዓዋቲ ምዃኖም ዕላዊ ጌሩ።

ኣብ ማዳጋስካር ኣብዝተኻየደ ዝለዓለ ንሕንሕ ዝተርኣየሉ ፕረዝዳንታዊ መረፃ ተናሓናሕቲ ውድባት ኣብ ተኣማንነቱ ሕቶታት እኳ የልዕሉ እንተነበሩ ቤት ፍርዲ ሕገ-መንግስቲ እታ ሃገር ግና እቲ ውፅኢት ዕላዊ ጌርዎ ኣሎ።

ልዕሊ 55ሚኢታዊ ድምፂ ዝረኸቡ ነበር መራሒ እታ ሃገር ኣንድሪ ራጂሊና ብቐፃሊ ኣብ ህንዲ ውቅያኖስ ንእትርከብ ደሴታዊት ሃገር ማዳጋስካር ክመርሑ እዮም።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ 2018ዓ.ም ፈረንጂ ዝተኻየደ ፕረዝዳንታዊ መረፃ ማዳጋስካር ቐንዲ ተናሓናሒ ኣንድሪ ራጆሊና ዝነበሩ ነበር ፕረዝደንት ማርክ ራቫሎማናና 44ሚኢታዊ ድምፂ ከምዝረኸቡ ኣልጀዚራ ፀብፂቡ።