ልዕሊ 2ሽሕን 400 ሄክታር መሬት ብመስኖ ለሚዑ…

መቐለ 01 ጥሪ 2011(ድምጺ ወያነ) ኣብ ወረዳ ኦፍላ ልዕሊ 2ሽሕን 400 ሄክታር መሬት ብመስኖ ከምዝለምዐ ቤት ጽሕፈት ልምዓት ሕርሻን ገጠርን እታ ወረዳ ኣፍሊጡ።

እቲ ቤት ጽሕፈት ከምዝሓበሮ ኣብዚ ዓመት ልዕሊ 3ሽሕ ሄክታር መሬት ብመስኖ ንምልማዕ መደብ ተታሒዙ እናተሰረሐ እዩ።

ብመሰረት እዚ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣስታት 2ሽሕን 417 ሄክታር መሬት ብዝተፈላለዩ ዝራእቲ ኣሕምልትን ፍራምን ዝተሸፈነ ኾይኑ እቲ ዝተረፈ ልዕሊ 600 ሄክታር መሬት ድማ ኣብ ከይዲ ምልማዕ ከምዝርከብ እቲ ቤት ጽሕፈት ኣረዲኡ።

ኣብታ ወረዳ ኣብ ሽፋን መስኖ ዝሐሸ ተበግሶ እኳ እንተሃለወ ኣብ ምጥቃም ጥሙር እታዎታት ሕርሻን ዘበናውነት ዝተላበሱ ቴክኒካዊ ንጥፈታት ሕርሻን ዉሱንነት ከምዘሎ ዘመልከተ እቲ ቤት ጽሕፈት ነዚ ንምፍታሕ ድማ ሰብ ሞያ ሕርሻ እታ ወረዳ ጥቡቕ ክትትልን ሓገዝን ንሓረስቶት ይገብሩ ከምዘለዉ ኣፍሊጡ።