ፕረዝደንት ሳህለወርቅ ዘውዴ መስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣየርላንድ ዘትየን

መቐለ 02 ጥሪ 2011(ድምጺ ወያነ) ፕረዝደንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ምስ ቐዳማይ ሚኒስትር ኣየርላንድ ሊዮ ቫራድካራን ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ዘትየን።

እተን ፕረዝደንት ምስ ቐዳማይ ሚኒስትር ኣየርላንድ ሊዮ ቫራድካራ ኣብ ዘካየደኦ ዘተ ርክብ ኢትዮጵያ ኣየርላንድን ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምዕባይ ኣብ ዝኸኣለሉ ጉዳይ ምንባሩ FBC ፀብፂቡ።

2ቲኦም መራሕቲ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ተግባራዊ ይኸውን ኣብ ዘሎ ፓለቲካዊን ቑጠባዊን ምምሕያሽ ከምዝተዘተዩ ድማ ተፈሊጡ።

ፕረዝደንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣብቲ እዋን መንግስቲ ኣየርላንድ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውድታት ሕርሻ፣ጥዕና፣ትምህርቲ፣ሓለዋ ከባቢን ይገብሮ ንዘሎ ሓገዝ ናእዳ ኣቅሪበን።

ቐዳማይ ሚኒስትር ሊዮ ቫራድካራን ብወገኖም ኣየርላንድ ኣብ 2ቲኣውን ቑጠባውን ጉዳያት ምስ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ንምስራሕ ልዑል ድልየት ከምዘለዎ ሓቢሮም።

ሃገሮም ንዓውደ ምውህሃድ ሕርሻ ትገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺራ ከምትቅፅለሉ ድማ ሊዮ ቫራድካራን ተዛሪቦም።