ብዘይሕጋዊ ኣፅዋር ኣብ ቑፅፅር ውዒሉ…

መቐለ 02 ጥሪ 2011(ድምጺ ወያነ) ኣብ ክልል ጋምቤላ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝንቐሳቐስ ዝነበረ ዘይሕጋዊ ኣፅዋር ኣብ ትሕቲ ቑፅፅር ውዒሉ።

ኮሚሽን ፖሊስ እቲ ክልል ከምዝገለፆ እቲ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ክንቀሳቐስ ኣብ ትሕቲ ቐፅፅር ዝወዓለ ዘይሕጋዊ ኣፅዋር 26 ክላሽ፣ ሓደ ብሬንን 20 ካዝና ጥይት ንእንትኸውን ኣብቲ ክልል ኣብ ዝርከብ ዞባ ብሄረሰብ ኑዌር እዩ ኣብ ትሕቲ ቑፅፅር ዝወዓለ።

እቲ ዘይሕጋዊ ኣፅዋር ክንቀሳቐስ ዝተረኸበ ተጠርጣሪ ድማ ኣብ ቑፅፅር ፖሊስ ውዒሉ ጉዳዩ ይፃረ ከምዘሎ ኮሚሽነር ኮምሽን ፖሊስ እቲ ክልል ኣይተ ሳይመን ቲያች ተዛሪቦም ክብል ኢዜኣ ፀብፂቡ።