ዑደት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣየርላንድ ኣብ ትግራይ

መቐለ 02 ጥሪ 2011(ድምጺ ወያነ) ቀዳማይ ሚኒስትር ኣየርላንድ ሊዮ ቫራድካር ኣብ ትግራይ ዑደት የሳልጡ ኣለው።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣክሱም እንትበፅሑ ሓላፊ ቢሮ ልምዓት ከተማን ንግዲን ኢንዳስትሪን ክልል ትግራይ ዶክተር ኣብራሃም ተከስተን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ትግራይን ኣቀባብላ ጌሮምሎም።

ኣብ ዞባ ማእከልን ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይን ብሓገዝ መንግስቲ ኣየር ላንድን ዝተሃነፁ ስራሕቲ መሰረተ ልምዓትን ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ዝርከብ መዕቖቢ ስደተኛታት ክዕዘቡ እዮም ተባሂሉ ትፅቢት ይግበር።