ኢንቨስተራት 25ሚኢታዊ ስራሕቶም ኣብ ቴክኖሎጂ ትኹረት ዝገበረ ክኸውን ይግባእ ተባሂሉ…

መቐለ 13 ጥሪ 2011(ድምጺ ወያነ)ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ብምስታፍ ኢንቨስት ዝገበሩ ሰብ ሃፍትን ኩባንያታትን ዝሰርሕዎም ስራሕቲ ብውሕድ 25ሚኢታዊ ኣብ ቴክኖሎጂ ትኹረት ዝገበሩ ክኾኑ ከምዝግባእ ሚኒስቴር ሳይንስን ኢኖቬሽንን ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ሳይንስን ኢኖቬሽንን ዶክተር ኢንጅነር ጌታሁን መኩርያ ከምዝበልዎ ኢንቨስተራት ናብ ኢትዮጵያ እንትኣትዉ ዝሰርሕዎም ዓውደ ስራሕቲ ብውሕድ ብ25ሚኢታዊ ኣብ ቴክኖሎጂ ትኹረት ዝገበሩ ክኾኑ ዝለዓለ ትኹረት ተዋሂቡ እናተሰርሐ እዩ።

ብዜካ እዚ እቶም ሰብ ሃፍትን ኩባንያታትን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውደ ኢንቨስትመንት ኣብ ዝዋፈርሉ እዋን 25ሚኢታዊ እታወታት ጥረ ኣቅሓ ውሽጢ ዓዲ ዝጥቐሙ ኣብ ዓውደ ቴክኖሎጂ ዘተኮሩን ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘሎ ዝማዕበለ ሓይሊ ሰብ ናብ ስራሕ ዘኣተዉን ክኾኑ ይስራሕ ኣሎ።