ምርምር ስነ ኳዕቲ ደቡብ ኣፍሪካ ላሶር .....

መቐለ 23 ጥሪ 2011(ድምፂ ወያነ) ምሁራት ምርምር ስነ ኳዕቲ ደቡብ ኣፍሪካ ላሶር ብዝተብሃለ መሳርሒ ቴክኖሎጂ ብምጥቃም ጠፊኣ ዝነበረት ጥንታዊት ከተማ ከምዝረኸቡ ተሓቢሩ ኣሎ።

እቲ ላሶር ዝተብሃለ ቴክኖሎጂ ድማ ጥንታውያን ወይ ድማ ኣብ ማህደር ታሪክ ሓበሬታ ዘይብለን ታሪኻዊ ቦታታት ሓበሬታ ንምርካብ ከምዝሕግዝ ድማ ምህራት ዩኒቨርስቲ ዊት ዋተርስ ራንድ ገሊፆም።

እቶም ምሁራት እዚ ቴክኖሎጂ ተጠቐሞም ድማ እታ ዝረኸቡዎ ጥንታዊት ከተማ ከባቢ 800 ገዛውቲን 10ሽሕ ሰባት እውን ከምዝነበሩዋ ንምርዳእ ክኢሎም ኣለዉ።

እታ ዝተረኸበት ከተማ ክወኒንባ ከምእትብሃል ድሕሪ ውግእ ሕድሕድ ድማ ሃለዋታ ጠፊኡ ከምዝነበረ እዩ ዝሕብር ዘሎ።