ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ በብግዚኡ ምርመራ ካንሰር ጫፍ በሪ ማህፀን ክተካይድ ይግባእ ተባሂሉ

መቐለ 30 ጥሪ 2011(ድምፂ ወያነ) በብዓመቱ ልዕሊ 300ሽሕ ደቂ ኣንስትዮ ብምክንያት ካንሰር ጫፍ በሪ ማህፀን ግዳያት ሞት ከምዝኾና ትካል ጥዕና ዓለም ኣፍሊጡ።

ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብዘውፅኦ መግለፂ “ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ በብግዚኡ ምርመራ” ክትገብር ይግባእ ኢሎም።

ትካል ጥዕና ዓለም ዓለመለኻዊ መዓልቲ ካንሰር ኣመልኪቱ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ በዚ ሕማም ምክንያት ዝሞታ ደቂ ኣንስትዮ መብዛሕትአን ካብ ድኻ ሃገራት ምዃነን ሓቢሩ።

ካንሰር ጫፍ በሪ ማህፀን ብቐሊሉ ክከላኸልን ክሕከምን ይከኣል’ዩ ዝበለ እቲ ትካል እዚ ንምግባር ግን በብግዚኡ ምርመራ ምግባር ከምዝግባእ ገሊፁ።

ውድብ ሕቡራት መንግስታት ብወገኑ ንዓለምለኸ ኣመራርሓን ቴክኒካዊ ሓገዝ ንምሃብ ምንቅስቃስ ምጅማሩ ገሊፁ።