ሶማልያውያን ብምኽንያት ኣብታ ሃገር ዝፍፀም ግብረ- ራዕዲ ንሓደሽቲ ፈጠራታት ቴክኖሎጂ ኩናት እናተለዓዓሉ እዮም።

መቐለ 30 ጥሪ 2011(ድምፂ ወያነ) ኣብ ኣፍሪካዊት ሃገር ሶማልያ ኣሸባሪ ጉጅለ ኣልሸባብ ብዝፍፅሞ መጥቃዕቲ ብኣማኢት ዝቁፀሩ ሰባት ዝሞቱ ኮይኖም እታ ሃገር ግን ከምዚ ዓይነት መጥቃዕቲ ንምክልኻል ብሚልዮናት ዝቑፀር ዶላር ፈሰስ ብምግባር ዝተፈላለዩ ኣፅዋራት ትገዝእ እያ።

ሐዚ ግን ካብ መናእሰይ እታ ሃገር ኣብ ምክልኻል ግብረ -ራዕዲ መቐይሮ ነጥቢ ከምፅእ ዝኽእል ሓደሽቲ ፈጠራታት ቴክኖሎጂ ኩናት ዝተዋፈረ ኣብዱላሂ መሓመድ ዝተብሃለ ወዲ 27 ዓመት መንእሰይ ተሽከርካሪ ታንኪ ንምምሃዝ ፃዕርታት ይገብር ኣሎ።

እቲ መንእሰይ ኣብ ባሕሪ ክትጉዓዝ እትኽእል ብስክሌት ንምፍጣር ውን ሕልሚ ከምዘለዎ ውን ተገሊፁ።

ኣብዱላሂ መሓመድን ምስኡ ሓቢሮም ዝሰርሑ ጉጅለ መናእሰይን ድማ ንምህዞ ዝጥቀምሎም መሳርሕታት ካብ ዝወዳደቑ ነገራት ምኻኖም ድማ ኣፍሪካ ኒውስ ገሊፁ ።